ኤርትራውያን ተሳፈርቲ ናይታ ጃልባ ብሓምለ ሓደ ናብ ላምፓዶዛ ኢጣልያ ካብ ምእታው ተኸለኪሎም። እዚኦም ስደተኛታት ሕጂ ስግኣት ምጥራዝ ናብ ሃገሮምን መወዳእታ ዘይብሉ እሞ ከኣ ቅድሚ ሕጂ ተዳጉኖምሉ ዝጸንሑ እሱር-ቤት ሊብያ ኣንጸላልይዎም ይርከብ። ሱሳን ሓሙሽተን ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ዝዋራ ክእሰሩ ከለዉ እተን ትሽዓተ ደቂንስትዮ ከኣ ኣብ ዛውያ ምዕራብ ካብ ትሪፖሊ ተኣሲረን ኣለዋ። ምሉእ ዝርዝር ኣሽማትኣብ ትሪፖሊካብ ዝርከቡ ናይ ኤርትራ ሕብረተሰብ በጺሑና፡ እንተኾነ ግና ብርዱእ ናይ ጸጥታ ምኽንያት ኣብዚ ኣይውጻእናዮን። እቶም ዝበዝሑ ካብዚቶም ካብ ውትህድርና ሃዲሞም ዝወጹ ኢዮም፡ ግን ከኣ ኣዝዩ ውሑድ ክፋል ናይቲ ኣስታት 130,000 ዝበጽሕ ቁጽሪ ኤርትራውያን ኣብ ሱዳን።
|
ሮማ፡ ኤርትራ ኣብ ቱሪዝም ብዙሕ ወፍሪ’ያ ተካይድ ዘላ። ኣብ ገማግም ቀይሕ-ባሕሪ ንኣብነት፡ ኣብ መንጎ ባጽዕን ዓሰብን ዝርከብ ሓድሽ ጽርግያ፡ በጻሕቲ ብፍላይ ድማ ኢጣልያውያን ፈጺሞም ከይበጽሕዎ ክሓልፉ ዘይከኣል ሆተል፡ ኣብ ከተማ ገላዕሎ ተደኩኑ ይርከብ። ምኽንያቱ፡ እንተወሓደ በቶም ኣብ መንገዲ ላምፓዶዛ ተታሒዞም፡ ካብ ሊብያ ኢጣልያ ብዝኽፈለቶ በረራ ናብ ኤርትራ ዝተጠረዙ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብግዱድ ዕዮ ዝተሰርሐ ስለዝኾነ። ሓቂ’ዩ። ግን በጃኩም፡ ንኤምባሲ ኤርትራ ክገልጸልኩም ኣይትሕተትዎ፡ ምክንያቱ ከጋግየኩም’ዩ። ብመሰረት ፕሮፖጋንዳ ናይ ውልቀ-መላኽነት፡ እቲ ሆቴል ውጽኢት ናይ ጻዕሪ ሓይልታት ምክልኻል፡ ማለት ካብ 2002 ኣብ ወፍሪ ዋርሳይ-ይከኣሎ ተጸሚዱ ዘሎ ምኳኑ ስለ-ዝምድር።
|
|
ሮማ፡ ብ ወተሃደራት ኢጣልያ ተቐጥቂጦም’ዮም ናብ ሳሃራ ተጠሪዞም። ብ ወተሃደራውያን መራኽብ ኢጣልያ ናብ ሊብያ ዝተመልሱ ስደተኛታት፡ ካብቲ ኣሽሓት ኪሎሜትራት ካብ ትሪፖሊ ርሒቁ ኣብ ማእከል ምድረ-በዳ ዝተደኮነ ሸላታት ንመጀመርያ ግዜ ቃሎም ይህቡ። ብቴለፎነ ክንረኽቦም ክኢልና። 38 ሶማላውያን ኮይኖም ኩላቶም ደቂ-ተባዕትዮ’ዮም። እዚኦም ኣካል ናይታ ብ27 ነሓሰ 2009፡ 81 ሶማላውያን ጽዒና ካብ ትሪፖሊ ዝተበገሰት ጃልባ ኮይኖም፡ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ብኢጣልያውያን ዝተነጽጉ እሞ ብዕለት 30 ነሕሰ ንድሕሪት ዝተመልሱ’ዮም።
|
ሰብሃ፡ “ምሳና ኣብታ መኪና ሓደ ወዲ ኣርባዕተ ዓመት ቆልዓ ምስ ኣዲኡ ነይሩ። ከም እንስሳታት ኣብ ሎርይ ዝዓይነታ መኪና ተጨቓጪቕና ኔርና፡ ኣየር ዝበሃል ኮነ መንቀሳቀሲ ቦታ የለን። እዚ ህጻን ኣብ ከምዚ ዓይነት ኩነታት ስለምንታይ ከምዝተገድፈ ኣሰደሚሙኒ። ኣብ ውሽጢ እዚ ኮንተይነር ኣዝዩ ሃሩር ኣሎ፡ እቲ ጉዕዞ ከኣ ኣስታት 21 ሰዓታት ወሲዱ፡ ማለት ካብ ሰዓት 4ድ.ቀ. ክሳብ ሰዓት 1ድ.ቀ. ናት ካልኣይ መዓልቲ። ዝኮነ ዝብላዕ ዝበሃል ኣይሃቡናን። ሰባት ሓደ ኣብ ቅድሚ ሓደ ይሸኑ። እቶም መራሕቲ መካይን ክበልዑ ደው ኣብ ዘብሉና አዋን፡ ነቲ ቆልዓ ኣብታ ኣዝያ ጸባብ ከፋት ናይቲ ኮንቴነር ነቅርቦ። ኣዳም’ዩ ዝበሃል። ድሕሪ’ዚ ኩሉ ከኣ ኣብ ኩፍራ በጺሕና። ምስ ኣውጸኡና ከኣ ኣብቲ ኮንተይነር ተንጠልጢሉ ዝጸንሓኒ ባኒ ሰሪቀ፡ ምኽንያቱ ካብ ዝሓለፈ መዓልቲ ጀሚርና ኣይበላዕናን። ብጠቅላላ 110 ሰባት ኔርና፡ ምሳና ከኣ ኣዳምን ኣዲኡን”።
|
ትሪፖሊ- እቲ ሓጺናዊ ማዕጾ ዕጹው’ዩ ዘሎ። በታ ንእሽቶ ከፋት ናይታ ማዕጾ ከኣ ገጽ ናይ ክልተ ኣፍሪቃውያንን ሓደ ግብጻውን ክርኢ ክኢለ። ብሰንኪ እቲ ካብ ውሽጢ’ቲ ገዛ ዝወጽእ ብርቱዕ ጨና ሓንሳብ ደው ምባል ክሳብ ዝስእን ኮይነ። ሓንሳብ ክእለዩ ምስ ሓተትኩዎም’የ እምበኣር ኩላ እታ ክፍሊ ክሪኣ ዝኸኣልኩ፡ ሰለስት ብ ሸሞንተ ሜትሮ ኣቢላ ትኸውን። ከባቢ ሰላሳ ዝኾኑ ሰባት ከኣ ኣብ ርእሲ ርእሲ ተጸፋጺፎም ኣሎዉ። ዓራት የብሎምን፡ ኣብ ረሳሕ ፍርናሻትን ምንጻፍን’ዮም ዝድቅሱ። ኣብቲ መንደቕ ከኣ ገለ ሰባት ጓንታናሞ ኢሎም ጽሒፎም ይርከቡ። እንተኾነ ግና ኣብ ናይ ሕ.መ.ኣ መደበር ኣይኮናን ዘሎና፡ ኣብ ዘለጤን ሊብያ ኢና ዘሎና። እቶም እሱራት ከኣ ጥርጡራት ግብረ-ሽበራ ዘይኮኑስ ኣብ ደቡባዊ ሸነኽ ናይ ላምፓዱዛ ዝተታሕዙ ስደተኛታት’ዮም።
|
ምስራታ፡ ብ ግዜ ለይቲ፡ ኣብ ማእከል'ቲ እሱር-ቤት ዝርከብ ሜዳ ኮንካ፡ ድምጺ'ቲ ባሕሪ ክትሰምዕ ትኽእል። እዚኦም ድምጺ ማዕበል ናይቲ ገለ ኣማኢት ሜትሮታት ጥራይ ርሒቑ ዝርከብ ባሕሪ ሜድትራንያን'ዮም። ሕጂ ኣብ ምስራታ ኣሎና፡ ገለ 210 ኪ.ሜ. ንምብራቕ ካብ ትሪፖሊ- ሊብያ። እቶም እሱራት ከኣ ኩላቶም ካብ ጉዕዞ ንላምፓዶዛ ወይ ድማ ካብ ከተማ ትሪፖሊ ዝተኣስሩ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ'ዮም። ግዳያት ናይ'ቲ ኣብ ሞንጎ ኢጣልያን ሊብያን ዘሎ ኣዕናዊ ስምምዕ ኣብ ዋሕዚ ስደተኛታት። እዚኦም ካብ 20 ክሳብ 30 ዝዕድሚኦም ኮይኖም፡ 58 ደቂንስትዮ፡ ብዙሓት ቆልዑን ህጻናትን ዝርከብዎም ብጠቅላላ ልዕሊ 600 ሰባት'ዮም። መብዛሕቲኦም ንልዕሊ ክልተ ዓመታት ዝተኣስሩ እኳ አንተኾኑ፡ ወላ ሓደ ካብኣቶም ግና ኣብ ቤት ፍርዲ ዝቐረበ የለን።
|
ሮማ፡ ሰነ 28፡ 2009- ኣብታ ብዕለት 13 ግንቦት 2009 ከባቢ 90 ዝኾኑ ስደተኛታት ግዳያት ብ ቦቪንዞ ዝተባህለት ናይ ኢጣልያ ሓለዋ ብሓሪ መርከብ ዝደሓኑ እሞ ናብ ትሪፖሊ ዝተመልሱ፡ ጋዜጠኛ ፍራንኮይስ ደ ላባረን ሰእላይ ኢንሪኮ ዳግኒኖን ዝተባህሉ ካብ ናይ ፓሪስ ማች መጋዜን ይርከቡ። ኣብዛ ትስዕብ ቪድዮ ከኣ እቲ ሓባሪ ዛንታታቶም ነቕርበልኩም፡ ኣብ Immigrants: a shattered dream ዝብል ጽሁፋት ከኣ ምንባብ ይከኣል።
|