01 October 2013

እዚ ቀጺሉ ዝስዕብ መግለጺ ከምዘመልክቶ፡ ካብ 1988ዓም ብውሕዱ 19,144 ሰባት ኣብ ገማግም ኤውሮጳ ሞይቶም። ካብዚኦም 8,822 ኣብ ባሕሪ ዝሞቱ'ዮም። ኣብ ባሕሪ ሜድትራንያንን ኣትላንቲካዊ ውቅያኖስ ብሸነኽ ስጳኛን ከኣ 14,309 ስደተኛታት ሞይቶም። ኣብ ከባቢ ወሽመጥ ሲሲሊ 6,837 ሰባት ካብ ሊብያ፡ ግብጽን ቱኒዝያን ናብ ማልታን ኢጣልያን ንምብጻሕ ክሞቱ ከለዉ ገለ 5,086 ካብኣቶም ደሃዮም ዝጠፍአ'ዩ፡ ካልኦት 229 ሰባት ድማ ካብ ኣልጀርያ ናብ ሳርዲንያ እናተጓዓዙ ጥሒሎም።ካብ ማውሪታንያ፡ ሞሮኮን ኣልጀርያን ናብ ስጳኛ ብ ደሴታት ካናሪ ወይ ጊብራልታር ስትረይት ኣቢልካ ኣብ ዝግበር ጉዕዞ ከኣ ብውሕዱ 4,899 ሰባት ሞይቶም፡ ካብዚኦም እቶም 2,562 ደሃዮም ዘይተኽበ'ዮም።ኣብ ባሕሪ እጊያን…ኣብ መንጎ ቱርክን ግሪኽን ዝርከብ… 1,504 ሰባት ሞይቶም፡ ብካልእ ወገን ድማ ኣብ መንጎ ግብጽን ግሪኽን 842 ሰባት ክጠፍኡ ከለዉ፡ ኣብ ባሕሪ ኣድሪቲክ 705 ሰባት ሞይቶም። ኣብ መንጎ ኣልባንያ፡ ሞንተኔግሮን ኢጣልያን ከባቢ 310 ሰባት ጠፊኦም።
ምድረ-በዳ ሳሃራ ከኣ እቲ ባሕሪ ንምብጻጥ ናይ ግድን ክሕለፍ ዘልዎ ሓደገኛ ጉዕዞ'ዩ። ካብ ሱዳን፡ ጫድ፡ ኒጀርን ማሊን ዝተበገሱ ሰባት ናብ ሊብያን ኣልጀርያን ንምብጻሕ ካብ ጽርግያ ወጻኢ ዝጎዓዛ መካይን ተጠቂሞም ይጎዓዙ። ኣብ'ዚ፡ ካብ 1996 ንደሓር ጥራይ 1,703 ሰባት ሞይቶም ኣሎዉ። እቶም ብህይወት ዝደሓኑ ከም ዝምስክርዎ ግና ዳርጋ ነፍሲ ወከፍ ጉዕዞ ህይወት'ዩ ዝኽፈላ። [...]


74 ኤርትራውያን ኣብ መንጎ እቶም ብ ሓደ ሓምለ ናብ ሊብያ ዝተመልሱ 89 ስደተኛታን

ኤርትራውያን ተሳፈርቲ ናይታ ጃልባ ብሓምለ ሓደ ናብ ላምፓዶዛ ኢጣልያ ካብ ምእታው ተኸለኪሎም። እዚኦም ስደተኛታት ሕጂ ስግኣት ምጥራዝ ናብ ሃገሮምን መወዳእታ ዘይብሉ እሞ ከኣ ቅድሚ ሕጂ ተዳጉኖምሉ ዝጸንሑ እሱር-ቤት ሊብያ ኣንጸላልይዎም ይርከብ። ሱሳን ሓሙሽተን ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ዝዋራ ክእሰሩ ከለዉ እተን ትሽዓተ ደቂንስትዮ ከኣ ኣብ ዛውያ ምዕራብ ካብ ትሪፖሊ ተኣሲረን ኣለዋ። ምሉእ ዝርዝር ኣሽማትኣብ ትሪፖሊካብ ዝርከቡ ናይ ኤርትራ ሕብረተሰብ በጺሑና፡ እንተኾነ ግና ብርዱእ ናይ ጸጥታ ምኽንያት ኣብዚ ኣይውጻእናዮን። እቶም ዝበዝሑ ካብዚቶም ካብ ውትህድርና ሃዲሞም ዝወጹ ኢዮም፡ ግን ከኣ ኣዝዩ ውሑድ ክፋል ናይቲ ኣስታት 130,000 ዝበጽሕ ቁጽሪ ኤርትራውያን ኣብ ሱዳን።

ግዱድ ዕዮን ስቅያትን ኤርትራውያን ጥሩዛት ካብ ሊብያ

ሮማ፡ ኤርትራ ኣብ ቱሪዝም ብዙሕ ወፍሪ’ያ ተካይድ ዘላ። ኣብ ገማግም ቀይሕ-ባሕሪ ንኣብነት፡ ኣብ መንጎ ባጽዕን ዓሰብን ዝርከብ ሓድሽ ጽርግያ፡ በጻሕቲ ብፍላይ ድማ ኢጣልያውያን ፈጺሞም ከይበጽሕዎ ክሓልፉ ዘይከኣል ሆተል፡ ኣብ ከተማ ገላዕሎ ተደኩኑ ይርከብ። ምኽንያቱ፡ እንተወሓደ በቶም ኣብ መንገዲ ላምፓዶዛ ተታሒዞም፡ ካብ ሊብያ ኢጣልያ ብዝኽፈለቶ በረራ ናብ ኤርትራ ዝተጠረዙ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብግዱድ ዕዮ ዝተሰርሐ ስለዝኾነ። ሓቂ’ዩ። ግን በጃኩም፡ ንኤምባሲ ኤርትራ ክገልጸልኩም ኣይትሕተትዎ፡ ምክንያቱ ከጋግየኩም’ዩ። ብመሰረት ፕሮፖጋንዳ ናይ ውልቀ-መላኽነት፡ እቲ ሆቴል ውጽኢት ናይ ጻዕሪ ሓይልታት ምክልኻል፡ ማለት ካብ 2002 ኣብ ወፍሪ ዋርሳይ-ይከኣሎ ተጸሚዱ ዘሎ ምኳኑ ስለ-ዝምድር።

ጭብጢ ግፍዒ ስደተኛታት ኣብ ሊብያ፡ ኣብ 15 ስእልታት

ርማ- ኣብ መወዳእታ ኣብ ቢንቃዚ ዝተካየደ ቅትለት ዘርእዩ ስእልታት ክንረክብ ክኢልና። ብዙሕ ዝርዝራት ዘይብለን ዓሰርተ-ሓሙሽተ ኣሳእል በተን ካብ ፈተሻ ሊብያውያን ዘምለጣ ሞባይል ቴለፎናት ተሳኢሉ። ብዙሓት ሰባት ብካራ ዝተጎድኡ ከኣ የርእየና። ኩላቶም ሶማላውያን ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ኮይኖም፡ ነቲ ነዊሕ ሳሃራ ሊብያ ሰንጢቆም ብቀጥታ ናብ ላምፓዶዛ ገጾም አንዳገስገሱ ኣብ ጋንፉዳ ጥቃ ቢንቃዚ፡ ዝተኣስሩ ኢዮም። ኣብ ቀላጾም ዘሎ ሓዲሽ ቁስሊ፡ ኣብ እግሮም ዘሎ ገና ተኸፊቱ ዝርከብ ቁስሊ፡ ኣብ ሕቆኦምን ርእሶምን ዘሎ ባንዳጅ ክረአ ይከኣል። ክዳውቶም ገና ደም ሰትዩ ይርከብ። ኣብ ነሓሰ 11፡ ናይ ሶማልያ ዌብ-ሳይት ሻበለ፡ ነዚ ኣብ ቢንቃዚ ብሊብያውያን ፖሊስ ዝተካየደ ህልቂት ዜናታት ምስ ኣውጸአት፡ ኣምባሳደር ሊብያ ኣብ ሞቃዲሾ ራቢቕ ቻንሹር ብምልኡ ክሒድዎ። ኣብዚ ሕጂ አዋን ግና ነዞም ስእልታት አዚኦም ንምኽሓዶም ኣጸጋሚ ኢዩ።

ሊብያ፡ ዝተጠረዙ ስደተኛታት ቃሎም ይህቡ፡ “ ተቀጥቂጥና ናብ ሳሃራ ተሰጉግና”

ሮማ፡ ብ ወተሃደራት ኢጣልያ ተቐጥቂጦም’ዮም ናብ ሳሃራ ተጠሪዞም። ብ ወተሃደራውያን መራኽብ ኢጣልያ ናብ ሊብያ ዝተመልሱ ስደተኛታት፡ ካብቲ ኣሽሓት ኪሎሜትራት ካብ ትሪፖሊ ርሒቁ ኣብ ማእከል ምድረ-በዳ ዝተደኮነ ሸላታት ንመጀመርያ ግዜ ቃሎም ይህቡ። ብቴለፎነ ክንረኽቦም ክኢልና። 38 ሶማላውያን ኮይኖም ኩላቶም ደቂ-ተባዕትዮ’ዮም። እዚኦም ኣካል ናይታ ብ27 ነሓሰ 2009፡ 81 ሶማላውያን ጽዒና ካብ ትሪፖሊ ዝተበገሰት ጃልባ ኮይኖም፡ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ብኢጣልያውያን ዝተነጽጉ እሞ ብዕለት 30 ነሕሰ ንድሕሪት ዝተመልሱ’ዮም።

ዶባት ሳሃራ፡ መዳጎኒ እሱር-ቤታት ኣብ ናይ ሊብያ ምድረ-በዳ

Polizia all'esterno della feritoia di un camionሰብሃ፡ “ምሳና ኣብታ መኪና ሓደ ወዲ ኣርባዕተ ዓመት ቆልዓ ምስ ኣዲኡ ነይሩ። ከም እንስሳታት ኣብ ሎርይ ዝዓይነታ መኪና ተጨቓጪቕና ኔርና፡ ኣየር ዝበሃል ኮነ መንቀሳቀሲ ቦታ የለን። እዚ ህጻን ኣብ ከምዚ ዓይነት ኩነታት ስለምንታይ ከምዝተገድፈ ኣሰደሚሙኒ። ኣብ ውሽጢ እዚ ኮንተይነር ኣዝዩ ሃሩር ኣሎ፡ እቲ ጉዕዞ ከኣ ኣስታት 21 ሰዓታት ወሲዱ፡ ማለት ካብ ሰዓት 4ድ.ቀ. ክሳብ ሰዓት 1ድ.ቀ. ናት ካልኣይ መዓልቲ። ዝኮነ ዝብላዕ ዝበሃል ኣይሃቡናን። ሰባት ሓደ ኣብ ቅድሚ ሓደ ይሸኑ። እቶም መራሕቲ መካይን ክበልዑ ደው ኣብ ዘብሉና አዋን፡ ነቲ ቆልዓ ኣብታ ኣዝያ ጸባብ ከፋት ናይቲ ኮንቴነር ነቅርቦ። ኣዳም’ዩ ዝበሃል። ድሕሪ’ዚ ኩሉ ከኣ ኣብ ኩፍራ በጺሕና። ምስ ኣውጸኡና ከኣ ኣብቲ ኮንተይነር ተንጠልጢሉ ዝጸንሓኒ ባኒ ሰሪቀ፡ ምኽንያቱ ካብ ዝሓለፈ መዓልቲ ጀሚርና ኣይበላዕናን። ብጠቅላላ 110 ሰባት ኔርና፡ ምሳና ከኣ ኣዳምን ኣዲኡን”።

ጓንታናሞ ሊብያ፡ እቲ ሓዲሽ ናይ ኢጣልያ ፖሊሲ

Centro di detenzione di Zlitanትሪፖሊ- እቲ ሓጺናዊ ማዕጾ ዕጹው’ዩ ዘሎ። በታ ንእሽቶ ከፋት ናይታ ማዕጾ ከኣ ገጽ ናይ ክልተ ኣፍሪቃውያንን ሓደ ግብጻውን ክርኢ ክኢለ። ብሰንኪ እቲ ካብ ውሽጢ’ቲ ገዛ ዝወጽእ ብርቱዕ ጨና ሓንሳብ ደው ምባል ክሳብ ዝስእን ኮይነ። ሓንሳብ ክእለዩ ምስ ሓተትኩዎም’የ እምበኣር ኩላ እታ ክፍሊ ክሪኣ ዝኸኣልኩ፡ ሰለስት ብ ሸሞንተ ሜትሮ ኣቢላ ትኸውን። ከባቢ ሰላሳ ዝኾኑ ሰባት ከኣ ኣብ ርእሲ ርእሲ ተጸፋጺፎም ኣሎዉ። ዓራት የብሎምን፡ ኣብ ረሳሕ ፍርናሻትን ምንጻፍን’ዮም ዝድቅሱ። ኣብቲ መንደቕ ከኣ ገለ ሰባት ጓንታናሞ ኢሎም ጽሒፎም ይርከቡ። እንተኾነ ግና ኣብ ናይ ሕ.መ.ኣ መደበር ኣይኮናን ዘሎና፡ ኣብ ዘለጤን ሊብያ ኢና ዘሎና። እቶም እሱራት ከኣ ጥርጡራት ግብረ-ሽበራ ዘይኮኑስ ኣብ ደቡባዊ ሸነኽ ናይ ላምፓዱዛ ዝተታሕዙ ስደተኛታት’ዮም።

ሊብያ፡ ኣብ ውሽጢ መዳጎኒ ስደተኛታት ምስራታ

Vista sul cortile del carcere di Misratahምስራታ፡ ብ ግዜ ለይቲ፡ ኣብ ማእከል'ቲ እሱር-ቤት ዝርከብ ሜዳ ኮንካ፡ ድምጺ'ቲ ባሕሪ ክትሰምዕ ትኽእል። እዚኦም ድምጺ ማዕበል ናይቲ ገለ ኣማኢት ሜትሮታት ጥራይ ርሒቑ ዝርከብ ባሕሪ ሜድትራንያን'ዮም። ሕጂ ኣብ ምስራታ ኣሎና፡ ገለ 210 ኪ.ሜ. ንምብራቕ ካብ ትሪፖሊ- ሊብያ። እቶም እሱራት ከኣ ኩላቶም ካብ ጉዕዞ ንላምፓዶዛ ወይ ድማ ካብ ከተማ ትሪፖሊ ዝተኣስሩ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ'ዮም። ግዳያት ናይ'ቲ ኣብ ሞንጎ ኢጣልያን ሊብያን ዘሎ ኣዕናዊ ስምምዕ ኣብ ዋሕዚ ስደተኛታት። እዚኦም ካብ 20 ክሳብ 30 ዝዕድሚኦም ኮይኖም፡ 58 ደቂንስትዮ፡ ብዙሓት ቆልዑን ህጻናትን ዝርከብዎም ብጠቅላላ ልዕሊ 600 ሰባት'ዮም። መብዛሕቲኦም ንልዕሊ ክልተ ዓመታት ዝተኣስሩ እኳ አንተኾኑ፡ ወላ ሓደ ካብኣቶም ግና ኣብ ቤት ፍርዲ ዝቐረበ የለን።

ናብ ሊብያ ዝተመልሱ፡ ሓበርቲ ስእልታት ካብ ወገን ፓሪስ ማች

ሮማ፡ ሰነ 28፡ 2009- ኣብታ ብዕለት 13 ግንቦት 2009 ከባቢ 90 ዝኾኑ ስደተኛታት ግዳያት ብ ቦቪንዞ ዝተባህለት ናይ ኢጣልያ ሓለዋ ብሓሪ መርከብ ዝደሓኑ እሞ ናብ ትሪፖሊ ዝተመልሱ፡ ጋዜጠኛ ፍራንኮይስ ደ ላባረን ሰእላይ ኢንሪኮ ዳግኒኖን ዝተባህሉ ካብ ናይ ፓሪስ ማች መጋዜን ይርከቡ። ኣብዛ ትስዕብ ቪድዮ ከኣ እቲ ሓባሪ ዛንታታቶም ነቕርበልኩም፡ ኣብ Immigrants: a shattered dream ዝብል ጽሁፋት ከኣ ምንባብ ይከኣል።