እዚ ቀጺሉ ዝስዕብ መግለጺ ከምዘመልክቶ፡ ካብ 1988ዓም ብውሕዱ 19,144 ሰባት ኣብ ገማግም ኤውሮጳ ሞይቶም። ካብዚኦም 8,822 ኣብ ባሕሪ ዝሞቱ'ዮም። ኣብ ባሕሪ ሜድትራንያንን ኣትላንቲካዊ ውቅያኖስ ብሸነኽ ስጳኛን ከኣ 14,309 ስደተኛታት ሞይቶም። ኣብ ከባቢ ወሽመጥ ሲሲሊ 6,837 ሰባት ካብ ሊብያ፡ ግብጽን ቱኒዝያን ናብ ማልታን ኢጣልያን ንምብጻሕ ክሞቱ ከለዉ ገለ 5,086 ካብኣቶም ደሃዮም ዝጠፍአ'ዩ፡ ካልኦት 229 ሰባት ድማ ካብ ኣልጀርያ ናብ ሳርዲንያ እናተጓዓዙ ጥሒሎም።ካብ ማውሪታንያ፡ ሞሮኮን ኣልጀርያን ናብ ስጳኛ ብ ደሴታት ካናሪ ወይ ጊብራልታር ስትረይት ኣቢልካ ኣብ ዝግበር ጉዕዞ ከኣ ብውሕዱ 4,899 ሰባት ሞይቶም፡ ካብዚኦም እቶም 2,562 ደሃዮም ዘይተኽበ'ዮም።ኣብ ባሕሪ እጊያን…ኣብ መንጎ ቱርክን ግሪኽን ዝርከብ… 1,504 ሰባት ሞይቶም፡ ብካልእ ወገን ድማ ኣብ መንጎ ግብጽን ግሪኽን 842 ሰባት ክጠፍኡ ከለዉ፡ ኣብ ባሕሪ ኣድሪቲክ 705 ሰባት ሞይቶም። ኣብ መንጎ ኣልባንያ፡ ሞንተኔግሮን ኢጣልያን ከባቢ 310 ሰባት ጠፊኦም።
ምድረ-በዳ ሳሃራ ከኣ እቲ ባሕሪ ንምብጻጥ ናይ ግድን ክሕለፍ ዘልዎ ሓደገኛ ጉዕዞ'ዩ። ካብ ሱዳን፡ ጫድ፡ ኒጀርን ማሊን ዝተበገሱ ሰባት ናብ ሊብያን ኣልጀርያን ንምብጻሕ ካብ ጽርግያ ወጻኢ ዝጎዓዛ መካይን ተጠቂሞም ይጎዓዙ። ኣብ'ዚ፡ ካብ 1996 ንደሓር ጥራይ 1,703 ሰባት ሞይቶም ኣሎዉ። እቶም ብህይወት ዝደሓኑ ከም ዝምስክርዎ ግና ዳርጋ ነፍሲ ወከፍ ጉዕዞ ህይወት'ዩ ዝኽፈላ። [...]