19 July 2010

ዶባት ሳሃራ፡ መዳጎኒ እሱር-ቤታት ኣብ ናይ ሊብያ ምድረ-በዳ

Polizia all'esterno della feritoia di un camionሰብሃ፡ “ምሳና ኣብታ መኪና ሓደ ወዲ ኣርባዕተ ዓመት ቆልዓ ምስ ኣዲኡ ነይሩ። ከም እንስሳታት ኣብ ሎርይ ዝዓይነታ መኪና ተጨቓጪቕና ኔርና፡ ኣየር ዝበሃል ኮነ መንቀሳቀሲ ቦታ የለን። እዚ ህጻን ኣብ ከምዚ ዓይነት ኩነታት ስለምንታይ ከምዝተገድፈ ኣሰደሚሙኒ። ኣብ ውሽጢ እዚ ኮንተይነር ኣዝዩ ሃሩር ኣሎ፡ እቲ ጉዕዞ ከኣ ኣስታት 21 ሰዓታት ወሲዱ፡ ማለት ካብ ሰዓት 4ድ.ቀ. ክሳብ ሰዓት 1ድ.ቀ. ናት ካልኣይ መዓልቲ። ዝኮነ ዝብላዕ ዝበሃል ኣይሃቡናን። ሰባት ሓደ ኣብ ቅድሚ ሓደ ይሸኑ። እቶም መራሕቲ መካይን ክበልዑ ደው ኣብ ዘብሉና አዋን፡ ነቲ ቆልዓ ኣብታ ኣዝያ ጸባብ ከፋት ናይቲ ኮንቴነር ነቅርቦ። ኣዳም’ዩ ዝበሃል። ድሕሪ’ዚ ኩሉ ከኣ ኣብ ኩፍራ በጺሕና። ምስ ኣውጸኡና ከኣ ኣብቲ ኮንተይነር ተንጠልጢሉ ዝጸንሓኒ ባኒ ሰሪቀ፡ ምኽንያቱ ካብ ዝሓለፈ መዓልቲ ጀሚርና ኣይበላዕናን። ብጠቅላላ 110 ሰባት ኔርና፡ ምሳና ከኣ ኣዳምን ኣዲኡን”።

Camion dall'internoመንግቱ ጥራይ ኣይኮነን ኣብ ኮንቴነር ተዓጽዩ ተጠሪዙ። ኣብ ሊብያ እዚ ንቡር’ዩ። ኮንተይነራት ከኣ መጎዓዓዚ ናይቶም ናብ ኤውሮጳ ክኸዱ ዝተሓዙ ሰደተኛታት ናብ ዝተፈላላየ እሱር-ቤታት ኮይነን የገልግላ። ሰለስተ ዓይነት ኮንተይነራት ከኣ ኣሎዋ። እቲ ዝነኣሰ ናይ ፒክ-ኣፕ ክኸውን ከሎ፡ እቲ ማእከላይ ከኣ ኣብ ማእከሎት መካይን’ዩ። እቲ ሳልሳይ ግና እቲ ሓቀኛ ኮንቴነር ኮይኑ፡ ሰለስተ ናእሽቱ መሳኩቲ ዘለዎ ሰማያዊ ዝሕብሩ፡ ብኣዝየን ዓበይቲ መካይን ዝሰሕብ እዩ። ሰደተኛታት ኣብ ኮንቴነራት ተዓጽዮም ይጥረዙ ምህላዎም ንመጀመርያ ግዜ ዝሰማዕኩሉ አዋን ኣብ ኣየት 2006’ዩ ኔሩ፡ ምስ ሓደ ኤርትራዊ ሰደተኛ ኣብ ኢጣልያ ኣብ ዝገበርኩዎ ቃለ-መጠየቕ። መጀመርያ እዃ ክእምኖ ኣይከኣልኩን። ኣሳእል ናይቶም ኣብ ሓጺን ሳንዱቕ ተዓጽዮም ናብ እሱር-ቤታት ክዳጎኑ ዝውሰዱ ኣወዳት፡ ኣዋልድን ሕጻናትን፡ እሞ ከኣ ገበን ዝበሃል ዘይብሎም ዝጥረዙ፡ ነቶም ናይ ካልኣይ ኩናት ዓለም ኣጋንንቲ ኣዘኪሩኒ። ሓቂ ምዃኑ ንክትኣምኖ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኮይኑ። ስእልታት እቲ ኮንቴነራት ግና በቶም ድሒሮም ዛንታታቶም ዝሕብሩ ብሊብያ ዝሓለፉ ሰደተኛታት መመሊሱ ሓቅነቱ እናኣረጋገጸ ከይዱ። እዚ ከኣ ክሳብ ብገዛእ የዒንተይ ነቶም ኮንቴነራት ዝርእዮም’ዩ ኔሩ።

Camion dall'esternoሰብሃ ርእሰ ከተማ ናይቲ ታሪካዊ ዞባ ፈዛን’ያ። ኣብ ኣፋፌት ናይ ሊብያ ዝዓበየ ምድረበዳ ኢና ዘሎና። ክሳብ ዝሓለፈ ክፍለ-ዘመን እዛ ከተማ ከም ቀንዲ መሰጋገሪት ነጥቢ ነቶም ሳሃራ ዝስንጥቁ ሰበኽቲ’ያ ኔራ። ሎሚ ግና እቶም ሰበኽቲ ብሰደተኛታት ተተክኦም ይርከቡ። ኮሎነል ዛሩቅ ኣማሓዳሪ ናይታ ኣብዛ ከተማ ትርከብ አሱር-ቤት’ዩ። ኣብ ዝሓለፈ ነሓሰ 20, 2008’ያ ተመሪቓ። ኣብ’ዚ ካንቸሎ እዚ ሰለሰተ ህንጻታት ክህልዋ ከሎዋ፡ ብጠቅላላ ከኣ ከባቢ 1,000 ሰባት ክሕዝ ይክእል። ኣብቲ ረሳሕ መዐሸጊ መካይን ከኣ ኣብ ተጎታቲት ዓባይ መኪና ዝተጻዕነ ኮንቴነር ሪአ። እቲ ሓላፊ ከኣ ነዛ መኪና ኣርእዩኒ። ኣይቨኮ 420 ዝዓይነታ በዓልቲ ሽዱሽተ ጎማ ኮይና ከባቢ 41,377ኪ.ሜ. ከም ዝተጎዓዘት ከኣ ትሕብር፡ ኣዝያ ሓዳስ’ያ። ካብ’ቲ ከባቢ ኣርባዕተ ሰዓተት መንገዲ ርሒቁ ካብ ዝርከብ ናይ ምድረ-በዳ እሱር-ቤት ቋትሩን ኣብ ዝሓለፈ ለይቲ ከም ዝተመልሰት ይዛረብ… ዛሩቅ። ኣብ ከባቢ ዶብ ኒጀር ዝተኣስሩ ከባቢ 100 ሰብ ከኣ ጽዒና ነይራ። ኣብ’ቲ መደየቢ ኣስካላ ኮይንና ከኣ ናብታ ኮንተይነር ተቀልቂልና። እቲ ኩነታት ኣየር ኣዝዩ ዘስካሕክሕ’ዩ፡ ወላ ሓደ ሰብ ዘይብሉ ከሎ’ውን እንተኮነ። 100 ወይ 200 ሰባት ኣብዚ ሓጺናዊ ሳጹን ተዓጽዮም ከመይ ክኸውን ከም ዝኽእን ንምግማቱ የሸግረካ። እቶም ነቲ ዶሮና ሰንጢቆም ዝሕለፉ ጨረርታ ጸሓይ ኣብቶም ኣብ መሬት ኣብ ትሕቲ ናይ ሓጺን ጣዋሉ ዝነበሩ ዝተደርበዩ ፕላስቲክ ጀሪካናል የንጸባርቕ። ኣብ ልዕሊ ሓደ ካባታቶም ከኣ ጋምብያ ዝብል ጽሑፍ ይርከቦም።

ማይ እቲ መሰረታዊ ባእታ ነቶም ንሳሃራ ዝስንጥቁ ስደተኛታት’ዩ። ቅድሚ ምብጋሶም ከኣ ነፍሲ-ወከፎም በቢ ሓደ ወይ ክልተ ጀሪካናት ማይ ክማልኡ ኣለዎም። ብገመዳት ሸፊኖም ከኣ ካብ ሙቀት ጸሓይ ብርሃን የከላኸልሉ። እቲ ዝያዳ ዘገድስ ከኣ ሽምካ መለለዪ ክትጽሕፈሉ ኣሎካ። ሳሃራ ምስንጣቅ ኣዝዩ ሓደገኛ’ዩ። እታ መኪና ጸገም ናይ ሞቶረ ከጋጥማ ይኽእል፡ መራሒ መኪና ኣንፈቱ ክስሕት ይኽእል ወድ ድማ ገንዘቡ ምስ ሓዘ ነቶም ሰደተኛታት ጠንጢንዎም ክምለስ ይኽእል። እዚ ጥራይ ዘይኮነ ግና ሓያሎ ዕጡቃት ሸፋቱ ንስደተኛታ ዘጥቅዑን ገንዘቦም ዝዘርፉን ኣብ ከባቢ ኣልጀርያን ኒጀርን ተፈራሕቲ’ዮም። ንኣማኢት ማይላት ብጀካ ሑጻ ካሊእ ምንም ነገር የለን። ወላ እኳ ዜና እንተዘይበጽሓና ኣዝዮም ብዙሓት ሰባት ኣብዚ ተቐዚፎም’ዮም። ኣብ ወግዓውያን ጽሑፋት ከም ንረኽቦ ጥራይ ከባቢ 1,677 ዝኣኽሉ ሰባት ሳሃራ ክሰግሩ ሞይቶም። ካብቲ ሞት ዘምለጡ መሰኻኽር ከም ዝብልዎ ግና፡ ነፍሲ ወከፍ ጉዕዞ ሂወት’ዩ ዝኽፈሎ።

Scala di ingresso nel containerኣብቶም ከባቢ ሚእቲ ሰደተኛታት ብኮንቴነር ናብ ሰብሃ ዝመጹ፡ ስድራ-ቤት ሲካሶ ካብ ማሊ ይርከብዎም። ኣቦ፡ ኣደን ውላዶምን። ኣብ ከባቢ ጋት፡ ኣብ ዶብ ኣልጀርያ ቅድሚ ሰለስተ መዓልቲ ተታሒዞም። ኣብ ቤት-ጽሕፈት ናይቲ ሓላፊ’የ ረኺበዮም። እቲ ውላዶም ወዲ ሸሞንተ ዓመት ኮይኑ፡ ቅድሚ ምብጋሶም ሳልሳይ ክፍሊ ይመሃር ኔይሩ። ኣቡኡ ከኣ ኣብተን ተረርቲ ቀላጽሙ ሓቁፍዎ ኣሎ። ብዓረብ ከኣ ናብ ኤውሮጳ መደብ ከም ዘይብሎምን፡ ኣብ 2002 ምስ ናይ ጀርመን ኩባንያ ሰሪሑ ምንባሩን፡ መንገዶም ናብ ሰብሃ ምዃኑን ይዛረብ። ፓስፖርትታቶም ምስኦም ኣሎ፡ ግና ናብ ሊብያ መእተዊ ፍቃድ ቪዛ የብሉን። ኣብዚ እሱር-ቤት ከኣ ኣብ ዝተፈላላየ ክፍልታት ተኣሲሮም ኣሎዉ፡ እቲ ቆልዓ ምስ ኣዲኡ ኣብ ሓደ ክፍሊ። ኣሽማቶም ከኣ ኣብታ ክትብገስ ዝኮነት ነፋሪት የለን። ኣብ ዝሓለፈ 11 ኣዋርሕ ናይ 2008፡ ልዕሊ 9,000 ዝኮኑ ስደተኛታት ናብ ናይጀርያ፡ ማሊ፡ ኒጀር፡ ጋና፡ ሰነጋልን በርኪናፋሶን ካብ ሰብሃ ተጠሪዞም። ኣብ ሕዳር ጥራይ ከኣ ከባቢ 1,120 ሰባት ካብዚ ቦታ ተጠሪዞም። ዛሩቅ፡ መዝገብ ናይ ዝተገብሩ በራራታት ኣርእዩኒ። 467 ናይጀርያውያን ኣብ መስከረም 2 ፡ 420 ማላውያን ኣብ መፋርቕ ሕዳር ተጠሪዞም። ኢምባሲታት ከኣ ልኡኻቶም ብምስዳድ እሱራት ኣብ ምልላይ ይተሓጋገዙ። ካቢዩምን ኣጆዋስን ከኣ ንኢምባሲ ናይጀርያ ካብ ዝረከቡዎ’ዮም። ካቢዩም ጥራይ እግሩ’ዩ ዘሎ፡ ምኽንያቱ ኣብ ከባቢ ጋት ክተሓዝ ከሎ ኣብ ሳሃራ ጫማኡ ጠፊኡ’ዩ። ኣጆዋንስ ግና ኣብ ትሪፖሊ ከባቢ ሽዱሽተ ዓመታት ተቀሚጡ ኔሩ’ዩ፡ ካብዚኦም ወላ ሓደ’ውን ይኹን ቤት-ፍርዲ ወይ ጠበቓ ዝረኣየ የለን። እዚ እሱርቤታት ኩሉ ብቤት-ፍርዲ ዝጸደቀ ኣይኮነን፡ ስለዚ ጥርዓን ከተቅርብ ይኹን ፖለቲካዊ ዑቅባ ክትሓትት ኣይከኣል’ዩ።

ጉዳይ ፓትሪክ’ውን ከምዚ’ዩ። ኣብ ኪቩ ዲሞክራስያዊን ሪፖብሊክ ኮንጎ ኩናት ዳግማይ ምስ ተባረዐ’ዩ ሃዲሙ መጽዩ። ቅድሚ ከባቢ ወርሒ ከኣ ኣብ ከባቢ ሱቅ-ታላታ ትሪፖሊ መዓልታዊ ስራሕ ከናዲ ክብል ተታሒዙ። ብፈረንሳ ከኣ ነጻ ኮይንና ክንዛረብ ክኢልና፡ ምኽንያቱ እቲ ተርጓማይ ክዛረብ ስለዝይክእል። ካብ ጁባኡ ኣውጺኡ ከኣ ወረቀት ናይ ዑቅባ ብላዕለዋይ ተጸዋዒ ሰደተኛታት(UNHCR) ኣብ ትሪፖሊ ብ9 ጥቅምቲ 2007 ዝተዋህቦ ኣርእዩኒ። ግና፡ ፓትሪክ ዝሓተቶ ዑቅባ ብዘየገድስ ንክጥረዝ ይጸበ ኣሎ። ከም ካልኦት እሱራት ናብ ደገ ይኹን ናብ UNHCR ክድውል ኣይፍቀደሉን። ነቶም ፖሊስ ዝከውን ገንዘብ ክረክብ እንተዘይክኢሉ ከኣ ይርሓቅ ይቅረብ ክጥረዝ’ዩ። ከምኡ ከኣ መተኣስርቱ። ኣብ 8 ብ 8 ዝኮና 12 ክፍልታት’ዮም ዘለዉ። እሱራት ኣብ ምንጻፍ ዘይብሉ ምድሪ ይድቅሱ። እቲ ብርሃን በታ ኣብቲ ላዕለዋይ ክፋል ናይ’ቲ ነዊሕ መንደቅ ዘላ መስኮት’ዩ ዝመጽእ። ነፍሲ ወከፍ ክፍሊ ከኣ ከባቢ 60-70 ሰባት መሊኦማ ኣሎዉ። ብጀካ ኣብ ግዜ ምግብና ከኣ ፈጺሞም ክወጹ ኣይፍቀደሎምን፡ ኩሉ ግዜ ምስ ተዕጽዉ ከኣ’ዮም።

Mezzi di pattugliamento nel parcheggio del centro di detenzione di Sebhaእቶም ናይ ጥርዝያ በረራታት ብኩባንያታት ሊብያ Ifriqiya and Buraq Air ኢዮም ዝጥረዙ። ኩሎም በረራታት ብመንግስቲ ሊብያ ኢዮም ዝኽፈሉ ይብል ኣማሓዳሪ’ቲ አሱር-ቤት ዛሩቅ። ንክትኣምኖ ኣዝዩ ዘሸግር። ኣብ ታሕሳስ 2004፡ ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ከባቢ 47 ጥርዝያ በረራታት ብኢጣልያ ከምዝተመወለ ሓቢሮም ነይሮም። ዛሩቅ ግና ክሒድዎ። ከም ናቱ ኣበሃህላ፡ ኢጣልያ ክልተ ጂፕ መካይን መሐለዊ ዶብ ናይ ሳሃራ ጥራይ’ያ ሰዲዳ። ወላ እዚ ሓዲሽ እሱር-ቤት’ውን እንተኾነ ብኢጣልያ ዝተመወለ ኣይኮነን፡ ወላ’ኳ ኣብ ፈለማ ከምኡ ተሓሲቡ እንተነበረ ይብል።ግን ከኣ ገና እቶም ኣሪጎም ሰለዉ መሳለጥያታት ኣብ ቦታኦም ኣለዉ። ናብ ኒጀር ዝተጠረዙ ስደተኛታን ከም ዝብልዎ ከኣ ብግዱድ ዕዮ’ዩ ተሰሪሑ። ብዙሓት ሰባት ከኣ ኣብ ምደረበዳ ኣብ’ቲ ከባቢ ዶብ ኣብ ግዜ ምጥራዝ ተደርብዮም። እቲ እዋን ኣብ 2004 ኣብ ዝካየድ ዝነበረ “ወለንታዊ ምምላስ” ኮይኑ፡ ልዕሊ 18,000 ስደተኛታት ኣብ መካይን ተጻዒኖም ኣብ መድረ-በዳ ዝተገድፍሉን፡ ሓያሎ ካብኣቶም ከኣ ዝተቀዝፍሉን’ዩ። ዛሩቕ ብዛዕባ’ዚ ክዛረብ ፍቃደና ኣይነበረን። ሎሚ ጥርዝያ ብነፈርቲ’ዩ ዝካየድ ብምባል ጥራይ’ዩ መሊሱ።

Ghreraለተናንት ገሬራ’ውን እንተኾነ ብዛዕባ’ዚ ብዙሕ ክዝክር ኣይደለየን። ኩሉ ንሳሃራ ምሕላው ዝምልከት ኣብ ትሕቲ ሓላፍነቱ’ዩ። ኢጣልያን ኤውሮጳዊ ሕብረትን ከኣ፡ ብትካል ኢጣልያ ፊንመቻኒካ ዝፈሪ ኢለክትሮኒካዊ መሐለዊ ኣገባብ ክሕግዛ ተመባጺዔን ነይረን፡ በዚ ከኣ ደቡባዊ ዶባት ሊብያ ክሕሎ። ንሱ ፍሽኽ ይብል። ኣብ ዝሓለፈ 35 ዓመታት ኣብ ምድረ-በዳ ዝሰርሐን ንስርሑ ጽቡቕ ገይሩ ዝፍልጥን ሰብ’ዩ። ገለ ሓሳብ መታን ክህበና ከኣ ከባቢ 20ኪ.ሜ. ካብ ሰብሃ ርሒቁ ዝርከብ ዘላፍ ወሲዱና። ወላ’ዃ ብዘይካ ሑጻ ካሊእ ሓደ ነገር ክንርኢ እንተዘይከኣልና፡ ጌና ኣብቲ ዝዓበየ ምድረ-በዳ ሳሃራ ኣይበጻሕናን። እተን ክልተ ጂፕ መካይን ብሚእቲ ኪሎሜትር ኣብ ሰዓት ክኸዳ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ሞተረ ኣጥፊኤን ጠጠው በላ። ገሬራን ካላዩን’ዮም ክዝውሩ ጸኒሖም፡ ዓሊ ከኣ ኣብ’ቲ ሑጻ ኢዱ ተሓጺቡ ተንበርከኸ፡ ናብ ምብራቕ ገጾም። ድሕሪ ስግዳን ከኣ ተመሊሶምና። ሓለዋ ሳሃራ ፈጺሙ ዘይከኣል ነገር’ዩ ይብል ገሬራ። ሊብያ ከባቢ 5,000ኪ.ሜ. ዝኸውን ናይ መሬት ሳሃራ ኣለዋ። ኣዝዩ ዓቢን ሕማቕን ቅርጺ መሬት። ዳርጋ ኩላቶም ሊብያውያን ዝኾኑ 89 ኣሰጋገርቲ ኣብ 2008 ተታሒዞም፡ ግና ምስቶም ብኣሸሓት ዝቁጸሩ ሳሃራ ዝስንጥቑ ስደተኛታት ክረአ ከሎ ኣዝዩ ውሑድ’ዩ። እቶም ሓለውቲ ዶብ በቢ ዓሰርተ መካይን ተመዲቦም ንሓሙሽተ መዓልታት ይሕልዉ። መሊሱ ፍሽኽ ይብል። ኣብቲ ሑጻ ከኣ ናይ ጂን ጥርሙዝ ረኺቡ። ኣልኮል ኣብ ሊብያ ክልኩል’ዩ። እንተኾነ ግና እታ ጥርሙዝ’ውን ኣብ ኒጀር ከም ዝፈረየ’ያ ትሕብር። ገሬራ ወላ ሓንቲ ኣይበለን፡ ብዙሕ ከየርሓቀ ከኣ ናብቲ ሑጻ ደርበያ። እዞም ኣሰጋገርቲ እዚኦም ስደተኛታት ጥራይ ኣይኮኑን ዘሰጋግሩ፡ ኣልኮል፡ ሽጋራ፡ ሓሺሽን ኣጽዋርን። ቅድሚ ሞተረ መኪና ምትንሳኡ ደጊሙ ብምጽቃጥ፡ “ወላ ነዚ ዘሎ ሓለዋ ብዕጽፊ ተወሰኸ’ውን እዚ ምድረበዳ ኩሉ ግዜ ክፉት ማዕጾ’ዩ” ይብል።

እዚ ናይ ሰብሃ መዳጎኒ እሱር-ቤት ጥራይ ኣይኮነን ኣብዚ ደቡባዊ ሸነኽ ዝርከብ። ከባቢ ሓሙሽተ ካልኦት መዓስከራት ኣለዋ።ሻቲ፡ ቛትሩን፡ጋት ዝበሃላ ኮይነን፡ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ናይታ ሃገር ይርከባ፡ ቀንዲ ስርሐን ከኣ፡ ካብ ዶባት ኒጀርን ኣልጀርያን ዝተታሕዙ ስደተኛታት ክሳብ ናብ ሰብሃ ዝስደዱ ይሕዛ። እቲ ካሊእ ከኣ ከባቢ 800ኪ.ሜ. ካብ ሰብሃ ርሒቃ ኣብ ከተማ ኩፍራ ትርከብ’ያ። ካብ ሱዳን ዝኣተዉ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ከኣ ኣብዚ ይእሰሩ። ኣተሕሕዛ እሱራት ኣብዚ ከኣ ንስደተኛታት ጥራይ ዘይኮነ፡ ወላ ንሊብያውያን’ውን እቲ ዝከፍአ’ዩ።

Grattacieli a Tripoliመሓመድ ታርኒሽ ፕረዚደንት ናይታ ብቦኽሪ ወዱ ንመራሒ ሊብያ ዝተመስረተት ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ትነጥፍ ዘይመስግታዊት ትካል ሰይፍ-ኣል-ኢስላም’ዩ። ኣብ ትሪፖሊ፡ ኣብ ከባቢ’ቲ ሓምላይ ከባቢ ዝርከብ ሳራያህ ቤት ቡና ረኺብናዮ። ካብ ነዊሕ ዓመታት፡ እዛ ማሕበር እዚኣ ኣብ ምምሕያሽ አሱር-ቤታት ሊብያ ክቃለስ ጸኒሑ፡ በዚ ከኣ መንግስቲ ከባቢ 1,000 ዝኾኑ ፖለቲካውያን አሱራት ክፈትሕ ክኢሉ። ካብ 2006፡ እዛ ዘይመንግስታዊት ማሕበር ናብ ኣብ ሊብያ ዝረከባ ስደተኛታት ዝዳጎንለል እሱር-ቤታት ብዙሕ ግዜ በጺሓ። ታርኒሽ ነጻ ኮይኑ ምሳና ክዘራረብ ኣይከኣለን፡ ምኽንያቱ ካብ ናይ ወጻኢ ርክብ ሚኒስተር ወግዓዊ ፍቃድ ስለዘይተረኽበ። ብዝኾነ ግና ሓደ ነገር ከረድኣና ክኢሉ። ኣብ ኩፍራ ዝርከብ መዳጎኒ እቲ ዝከፍአ ምዃኑ፡ ኣዝዩ ኣረጊት መሳለጥያታት፡ ልዕሊ መጠን ጻዕቂ እሞ ከኣ ብዘይ እኩል መግብን ብዘይ ዝኾነ ናይ ጥዕና ክንክንን ምዃኑ አቲ ዝኸፍአ ይገብሮ።

Cella immigrati detenuti a Sebhaብዛዕባ ታርኒሽ ዝበሎ ብትኽክል ንምርዳእ፡ ኣብ 2007 ምስ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ዝተገብረ ቃለ-መጠየቅ ዳግማይ ከንብብ ኔሩኒ። “ኣብ ሓንቲ 6 ብ 8 መትሮ ገዛ ከባቢ 78 ሰባት ኔርና። ኣብ መሬት ንድቅስ፡ ርእስና ድማ ጥቃ ናብ ብጻይና እግሪ። ኣዚና ከኣ ንጠሚ፡ ምኽንያቱ ሓንቲ ብያቲ ሩዝ ኣብ ሸሞንተ ሰባት ስለዝኾነት። ኣብ ግዜ ለይቲ፡ ፖሊስ ናብ ካንቸሎ ኣውጺኦም ፑሽ-ኣፕ ክሰርሕ ኣዚዞምኒ፡ ኣነ ግን ኣይከኣልኩን። እናቀጥቀጡ ከኣ ንዓይን ንክርስትና ሃይማኖተይን ብዙሕ ጸሪፎምኒ። ኣብ መንጎ 60 ሰብ ሓንቲ መሕጸቢ ነብሲ ኔራትና፡ ስለዚ ኣብቲ ክፍሊ ብቀጻሊ ሕማቕ ጨና ኣሎ፡ ነብስና ምሕጻብ ፈጺምና ኣይንኽእልን ኔርና። ቁማልን ቁንጪን ኣብ ኩላትና ኔሮም፡ ኣብ መንጸፍ፡ ኣብ ክዳንን ጸጉርናን። ሓንሳብ ሓንሳብ፡ ፖሊስ ናብቲ ዘለናዮ ክፍሊ ኣትዮም፡ ጓል ወሲዶም ኣብ ቅድሜና ይጋሰሱዋ”። ዳርጋ ካልኣይ ገሃንም’ዩ። ግን ከኣ ጽቡቕ ናይ ንግዲ ቦታ። እወ፡ ምኽንያቱ ካብ ነዊሕ ዓመታት ጀሚሩ፡ እቶም ፖሊስ እሱራት ናብ ኣሰጋገርቲ ክሸጥዎም ጸኒሖም’ዮም፡ ንሳቶም ከኣ ናብ መዲትራንያን ይወስድዎም። ዋጋ ነፍሲ ወከፍ ሰብ 30 ዲናር ሊብያ ይበጽሕ፡ እዚ ከኣ ከባቢ 18 ዩሮ ኣቢሉ ይኸውን።

Poliziotti all'ingresso del centro di detenzione di Sebhaናብ ኣብ ማእከል ኩፍራ ዘሎ ማእከል ክበጽሕ ኣይተፈቕደለይን፡ ስለዚ ድማ ብዓይነይ ነቲ ዘሎ ኩነታት ክዕዘቦ ኣይከኣልኩን። እንተኾነ ግና፡ እቲ ሓቂ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ዘዘራረብኩዎም ስደተኛታት ንኹሉ ዘሎ ግፍዒ፡ ምግሃስ መሰልን፡ ስቓይን ክንደይ ዝኣክል ሓቅነት ከም ዘለዎ ክርዳእ ኣኽኢሉኒ’ዩ። ኣብ 2004፡ ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ጸብጻቡ፡ ኢጣልያ ነቲ ኣብ ኩፍራ ዝስራሕ ዝነበረ መዳጎኒ ከም ዝመወለት ኣስፊሩ’ዩ። ኣብ 2007 ከኣ መንግስቲ ፕሮዲ ነዚ ክሒድዎ፡ ኢጣልያ ንትካል ጥዕና ጥራይ ከም ዝመወለት ከኣ ይዛረብ። ብትኽክል’ውን ፍልልይ የብሉን። እቲ ነጥቢ ካሊእ’ዩ። ካብ 2003 ጀሚሩ ኢጣልያን ኤውሮጳዊ ሕብረትን ምስ ሊብያ ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ስደተኛታት ክተሓጋገዙ ጸኒሖም’ዮም። ሕጂ፡ እቲ ሕቶ፡ ስለምታይ ብዛዕባ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ኣብዚ ዝሳቀዩዎ ዘለዉ ከም ዘይፈልቱ ክመስሉ ዝፍትኑ’ዩ።

ኣብ ዓመተ 2005፡ ሓላፊ ስለያ ኢጣልያ(SISDe) ነበር ማርዮ ሞሪ፡ ንናይ ኢጣልያ ፓርላመንት፡ “ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ኣብ ሊብያ ከም ኣኽላባት’ዮም ዝተሓዙ፡ ኣብ ማእከላት ከኣ ብጻዕቂ ይዳጎኑ፡ እቶም ፖሊስ ከኣ ኣብ ኣፍንጫኖም መሸፈኒ ገይሮም ይኣትዉ” ክብል ገሊጽዎ ኔሩ። ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ግና ነዚ ኣቀዲሙ ይፈልጦ ነይሩ’ዩ። ብሓቂ’ውን ኢጣልያውያን ፖሊስ ካብ 2004 ኣትሒዞም ንሊብያውያን መዛኑኦም ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ስደተኛታት ከሰልጥንዎም ጸኒሖም። ብዙሓት ላዕለዎት ሰበስልጣን ውሽጣዊ ጉዳያት ከኣ ብቀጻሊ ኣብ ሊብያ ዝርከቡ መዳጎኒ እሱር-ቤታት እንተላይ ናብ ኩፍራ በጺሖም። ግና ስቅታ ልዕሊ’ቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ነጊሱ። ናይ ኤውሮጳዊ ሕብረት ሸለል ምባል’ውን ተመሳሳሊ ኔሩ። ኣብ 2004 ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ፡ እቲ ኮሚሽን ኣብ ሊብያ ዝርከቡ መዳጎኒ እሱር-ቤታት “ከበድቲ” ክብል እኳ ተገለጾም፡ ኣብ መወዳእታ ግና “ሓፈሻዊ ምስቲ ኩነታት ኣተሓሒዝካ ቅቡል’ዩ” ኢሉ። ድሕሪ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ግንቦት 2007፡ ወኪል ናይዚ ኮሚሽን ኣብ ደቡባዊ ሊብያ እንተላይ ናይ ኩፍራ እሱር-ቤት በጺሑ፡ ዕላማኡ ከኣ ናይ ቀጻሊ ምትሕብባራት ንምንጻፍ’ዩ። እንታይ ኢሎም ከም ዝጸሕፉ ገምቱ። “ዕብየትን ስፍሓትን ናይቲ ምድረበዳ ኣዚና ኣድኒቅናዮ”። ወላ ሓንቲ ትኩን ቃል’ውን ብዛዕባ ኩነታት አሱራት ኣይነበረን። ልዕሊ መጠን ስለዝተዓዘቡ’ዶ ይኸውን?