01 October 2013

እዚ ቀጺሉ ዝስዕብ መግለጺ ከምዘመልክቶ፡ ካብ 1988ዓም ብውሕዱ 19,144 ሰባት ኣብ ገማግም ኤውሮጳ ሞይቶም። ካብዚኦም 8,822 ኣብ ባሕሪ ዝሞቱ'ዮም። ኣብ ባሕሪ ሜድትራንያንን ኣትላንቲካዊ ውቅያኖስ ብሸነኽ ስጳኛን ከኣ 14,309 ስደተኛታት ሞይቶም። ኣብ ከባቢ ወሽመጥ ሲሲሊ 6,837 ሰባት ካብ ሊብያ፡ ግብጽን ቱኒዝያን ናብ ማልታን ኢጣልያን ንምብጻሕ ክሞቱ ከለዉ ገለ 5,086 ካብኣቶም ደሃዮም ዝጠፍአ'ዩ፡ ካልኦት 229 ሰባት ድማ ካብ ኣልጀርያ ናብ ሳርዲንያ እናተጓዓዙ ጥሒሎም።ካብ ማውሪታንያ፡ ሞሮኮን ኣልጀርያን ናብ ስጳኛ ብ ደሴታት ካናሪ ወይ ጊብራልታር ስትረይት ኣቢልካ ኣብ ዝግበር ጉዕዞ ከኣ ብውሕዱ 4,899 ሰባት ሞይቶም፡ ካብዚኦም እቶም 2,562 ደሃዮም ዘይተኽበ'ዮም።ኣብ ባሕሪ እጊያን…ኣብ መንጎ ቱርክን ግሪኽን ዝርከብ… 1,504 ሰባት ሞይቶም፡ ብካልእ ወገን ድማ ኣብ መንጎ ግብጽን ግሪኽን 842 ሰባት ክጠፍኡ ከለዉ፡ ኣብ ባሕሪ ኣድሪቲክ 705 ሰባት ሞይቶም። ኣብ መንጎ ኣልባንያ፡ ሞንተኔግሮን ኢጣልያን ከባቢ 314 ሰባት ጠፊኦም። እንተኾነ ግና ባሕሪ ምስጋር በተን ዘይወግዓውያን ጀላቡ ጥራይ ኣይኖነን ክፍጸም ጸኒሑ። ኣብ ምዝጉባት ናይ ህዝብን ናይ ኣቑሑን መራኽብ ተሓቢእካ ኣብ ዝግበር ናይ ምስጋር ፈተነ 160 ሰባት፡ ብ ምጥሓል ወይ ክኣ ሕጽረት ትንፋስ ሞይቶም።

ምድረ-በዳ ሳሃራ ከኣ እቲ ባሕሪ ንምብጻጥ ናይ ግድን ክሕለፍ ዘልዎ ሓደገኛ ጉዕዞ'ዩ። ካብ ሱዳን፡ ጫድ፡ ኒጀርን ማሊን ዝተበገሱ ሰባት ናብ ሊብያን ኣልጀርያን ንምብጻሕ ካብ ጽርግያ ወጻኢ ዝጎዓዛ መካይን ተጠቂሞም ይጎዓዙ። ኣብ'ዚ፡ ካብ 1996 ንደሓር ጥራይ 1,703 ሰባት ሞይቶም ኣሎዉ። እቶም ብህይወት ዝደሓኑ ከም ዝምስክርዎ ግና ዳርጋ ነፍሲ ወከፍ ጉዕዞ ህይወት'ዩ ዝኽፈላ። ስለ'ዚ እቲ ኣሃዝ ኣዝዩ ዝለዓለ ክኸውን ይኽእል። እዚ ኣሃዝ'ዚ ነቶም ብናይ ትሪፖሊ፡ ኣልጀርስን ራባትን መንግስታት ብኣልማማ ተጠርዞም ኣብ ቃልዕ በረኻታት ምድረበዳ ብ ኣማኢት ዝተደርበዩ ስደተኛታት የጠቃልል።

ኣብ ሊብያ ከኣ ዘስካሕኽሕ ስቕያት ስደተኛታት ተመዝጊቡ'ዩ። ዋላ'ኳ ወግዓዊ ዝኾነ ኣሃዝ ኣይሃሉ፡ ኣብ 2006 ሁማን ራይትስ ዋችን ኣፍሪክን፡ ን መንግስቲ ትሪፖሊ ኣልማማ ብምእሳር፡ ብምቕጥቃጥን ምስቓይን ስተተኛታት ኣብ መዳጎኒ አሱርበታት ( ሰለስተ ካባቶም ብ ኢጣልያ ዝምወሉ) ከሲስዋ ምንባሩ ዝዝከር'ዩ። ኣብ መስከረም 2000ዓም፡ ኣብ ዛውያ… ሰሜናዊ ምዕራብ ናይታ ሃገር… ብውሕዱ 560 ወጻእተኛታት ብ ዓሌታዊ መጥቃዕቲ ተቀቲሎም።

ኣብ መካይን ተሓቢእካ ኣብ ዝግበር ጉዕዞ 372 ሰባት ሞይቶም። ከምኡ'ውን 413 ሰባት ኣብ ዶባት ሃገራት ዝፈልዩ ወሓይዝ ኣብ ምስጋር ጥሒሎም፡ ዝበዝሑ ኣብ ኦልድ-ነይሲ… መንጎ ፖላንድን ጀርመንን፡ ኣብ ኢቭሮስ… መንጎ ቱርክን ግሪኽን፡ ኣብ ሳቫ… መንጎ ክሮስያን ቦዝንያን ዝርከብ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ሞራቫ… ኣብ መንጎ ስሎቫክያን ቼክ-ሪፖብሊክን ሞይቶም። ካልኦት 122 ሰባት ከኣ ብመካይን ኣብ ኣካውሕ በረድ ዝመልኦ ዶባት ክጎዓዙ (ብፍላይ ቱርክን ግሪኽን) ብቁሪ ከርዲዶም ሞይቶም። ኣብ ዶብ ግሪኽን ቱርክን፡ ኣብ ገማግም ፈለግ እቭሮስ ገና ናይ ፈንጂ ቦታታት ኣሎዉ። ኣብዚ ብውሕዱ 92 ሰባት ናብ ግረኽ ክእትዉ ብፈንጂ ሞይቶም።

ከባቢ 294 ስደተኛታት ዶብ ብዝሕልዉ ፖሊስ ብጥይት ተቐቲሎም። 38 ካብዚኦም ኣብ ኹይታን መሊላን ግንኣታት ስፓኛ ኣብ ሞሮኮ ተቀቲሎም፡ ካልኦት 50 ኣብ ጋምብያ፡ 94 ኣብ ግብጺ ከም'ኡ ድማ 32 ኣብ ምብራቕ ቱርኪ ኣብ ዶባት ኢራንን ኢራቕን ተቐቲሎም። ገለ ውሑዳት ግና ብናይ ፈረንሳ፡ ጀርመንን ስዊዝን ፖሊስ ተቀቲሎም። ካሎት ከኣ ኣብ ሊብያን ሞሮኮን ሞይቶም። ብካልእ ወገን ከኣ 41 ሰባት ኣብ መሐንበቢ ጎማታት ነፈርቲ ታሓቢኦም ክኸዱ ሞይቶም፡ ካልኦት 31 ሰባት ኣብ ባቡራት ተሓቢኦም ን ቻነል-ታነል ሰጊሮም ዓዲ-እንግሊዝ ኪሰግሩ ክብሉ ኣብ ካላይስ ሞይቶም ተረኪቦም። ጌና ካሎት 12 ሰባት ኣብ ካልእ ቦታታት ኣብ ባቡራት ሞይቶም፡ ጌና ካሎት 2 ከኣ ቻነል-ታነል ክሰግሩ ጥሒሎም።