18 July 2009

ግዱድ ዕዮን ስቅያትን ኤርትራውያን ጥሩዛት ካብ ሊብያ

Soldati eritrei

Photo Shawn Baldwin

ሮማ፡ ኤርትራ ኣብ ቱሪዝም ብዙሕ ወፍሪ’ያ ተካይድ ዘላ። ኣብ ገማግም ቀይሕ-ባሕሪ ንኣብነት፡ ኣብ መንጎ ባጽዕን ዓሰብን ዝርከብ ሓድሽ ጽርግያ፡ በጻሕቲ ብፍላይ ድማ ኢጣልያውያን ፈጺሞም ከይበጽሕዎ ክሓልፉ ዘይከኣል ሆተል፡ ኣብ ከተማ ገላዕሎ ተደኩኑ ይርከብ። ምኽንያቱ፡ እንተወሓደ በቶም ኣብ መንገዲ ላምፓዶዛ ተታሒዞም፡ ካብ ሊብያ ኢጣልያ ብዝኽፈለቶ በረራ ናብ ኤርትራ ዝተጠረዙ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብግዱድ ዕዮ ዝተሰርሐ ስለዝኾነ። ሓቂ’ዩ። ግን በጃኩም፡ ንኤምባሲ ኤርትራ ክገልጸልኩም ኣይትሕተትዎ፡ ምክንያቱ ከጋግየኩም’ዩ። ብመሰረት ፕሮፖጋንዳ ናይ ውልቀ-መላኽነት፡ እቲ ሆቴል ውጽኢት ናይ ጻዕሪ ሓይልታት ምክልኻል፡ ማለት ካብ 2002 ኣብ ወፍሪ ዋርሳይ-ይከኣሎ ተጸሚዱ ዘሎ ምኳኑ ስለ-ዝምድር። ኣነ ብውልቀይ ከኣ ነቶም ካብ’ቲ ገሃንም ኣምሊጦም ዝወጹ ሰልሰተ መንእሰያት ተወሳኪ መግለጺ ክህቡኒ ክሓተኦም ክኸይድ ወሲነ፡ ኣብ ኣየናይ ከተማ ኤውሮጳ ተዓቁቦም ምህላዎም ይኩን ኣሽማቶም ብሕቡእ ኮይኑ፡ C: Lን Fን እቶም ከዘራሪቦም ፍቃደኛታት ዝነበሩ’ዮም።

እቲ ሓቂ ካብ ግንቦት 2004 ይጅምር። ሓንቲ፡ መብዛሕቲኦም ኤርትራውያን ተሳፈርቲ ዝጸዓነት ኣርጊት ናይ ምግፋፍ ዓሳ ጃልባ፡ ከባቢ 172 ተሳፈርቲ ሒዛ ናብ ላምፓዶዛ ነቂላ፡ ድሕሪ ገለ ጉዕዞ ግና መንገዳ ቀይራ ንገማግም ባሕሪ ሊብያ ገጻ ተመልሰት። ኣብ ጸግዒ ሓደ ከውሒ ምስ በጽሐት ከኣ ኩሉ ሰብ ናይ ከምልጠሉ ዝኽእል ኣንፈት ክሃድም ጀመረ፡ እንተኾነ ግዳ መብዛሕቲኦም ተተሒዞም ኣብ ምስራታ ተኣሲሮም። C. ከኣ ምስ ካልኦት ክልተ ኣዕርኹቱ ክሃድም ፈተነ፡ እንተኾነ ግን ዳግማይ ኣብ ደገ ናይቲ ካንቸሎ ተታሕዙ። ኣብ ናይ በይኖም ሸላታት ከኣ ንሰለስተ መዓልታት ብሓያል መግረፍቲ ተሳቀዩ። ድሕሪ ከባቢ ሓደ ወርሒ ምድጓኖም ከኣ ናብ ካልእ ኣብ ትሪፖሊ ዝርከብ መዳጎኒ መዓስከር ተሰጋገሩ። ሓደ ንግሆ ከኣ ፍሉያት ሓይልታት ወተሃደራት ናብቲ እሱር-ቤት መጽዮም። “ብርክት ዝበሉ ኤርትራውያን ከኣ ኣብ መካይን ክጽዕንዎም ጀሚሮም፡ እንታይ ይግበር ከም ዘሎ ካባና ክግምት ዝከኣለ ሰብ ኣይነበረን። ከም ቀደሞም ምስግጋር ናብ ካልእ ቦታ መሲሉና። እንተኾነ ግና ከምኡ ኣይነበረን። እታ መኪና ኣብ ውሽጢ ናይ ትሪፖሊ ወተሃደራዊ መዓርፎ-ነፈርቲ ጠጠው በለት፡ Air Libya Tibesti ከኣ ትጽበዮም ኔራ። ሓምለ 21, 2004’ዩ፡ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ኣብ ቅድሚ ትዕዝብቲ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሊብያ ሰሰስተ ነፈርቲ ተበጊሰን፡ ብጠቅላላ ከኣ 109 ስደተኛታት ተጠሪዞም።

ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ከኣ ሰራዊት ይጽበዮም ኔይሩ። ብዙሕ ተብ-ተብ ተገይሩ፡ ፊስካ ተሃሪማ ከኣ ኣብ ወተሃደራውያን መካይን ተጻዒኖም ናብ ገማግም ቀይሕ-ባሕሪ ዝርከብ ገላዕሎ ተወሲዶም።እዚ እሱር-ቤት ኣይኮነን፡ ግና ግዱድ ዕዮ ዝካየደሉ መዳጎኒ መዓስከር። ካብ’ቲ ከተማ ወጺኻ ጽላል ክትረክብ ኣጸጋሚ’ዩ። እቲ መዓስከር ከኣ ብጽዑቃት ኣሻዃት ሓጹር ዝተኽበ’ዩ፡ ስለዚ ፈተነ ህድማ ፈጺሙ ኣይከኣልን። ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ሓለዋ ከኣ፡ ኩሉ ግዜ ንጎሆ ሰዓት 6ቅ.ቀ አሱራት ተሰሪዖም ናብ ናይ ስራሕ ቦታ፡ ናብ’ታ መርኣያ ምዕባለ’ዛ ሃገር ክትከውን ዝትሰፍወላ ገላዕሎ ሆቴል ይምርሹ። ገለ 100 ካብ ሊብያ ዝተጠረዙ፡ ካልኦት 200 ከኣ ቅድሚ ክልተ ዓመት ካብ ማልታ ዝተጠረዙ። ካልኦት ከኣ ካብ ውትህድርና ዝኮብለሉ ወይ ከኣ ብዘይ ፍቃድ ናብ ሱዳን ክሃድሙ ዝተታሕዙ ይርከብዎም። መዓልቲ በታ ናይ ንግሆ ፊስካ ሰዓት 5 ትጅምር፡ ሰዓት 6 ከኣ ናብ ስራሕ ትወፍር። ብጥራይ እግርኻ እንዳኸድካ፡ በቶም ወተሃደራት እንዳተገፋዕካን እንዳተሓለኻን፡ ብዘይ እኩል መግቢ፡ ኣብ’ቲ ዝወዓየ ምድረበዳ ኤርትራ፡ ሙቀት ክሳብ 45 ዲግሪ ዝበጽሓሉ ኣብቲ ህንጻ ይሰርሑ። ንምሳሕን ድራርን ባኒ ማይ ጌሮም ይበልዑ። C: Fን: Lን ከኣ ኣብ ከምዚ ኩነታት ንዓሰርተ ኣዋርሕ፡ ማለት ክሳብ ግንቦት 30 2005 ጸኒሖም። ብድሕሪ’ዚ ከኣ ናብ ወተሃደራዊ ታዕሊም ዊዓ ተወሲዶም፡ አዚ ካብ 1998 ኤርትራ ግዱድ ዕስክርናን ንሂወትካ ምሉእ ምግላጋልን ተካይደሉ ቦታ’ዩ። ኣብ መንጎ’ዚ ኩሉ ቤተሰቦም ክበጽሕዎም ኮነ፡ ዝኮነ ናይ ቴለፎነ ርክብ ክገብሩ ኣይተፈክደሎምን፡ ብዛዕባ ሃለዋቶም መን ተገዲስሎም።

እዚ ዛንታ እዚ ብካለእ ራብዓይ ናይ ዓይኒ ምስክር ተደጊፉ’ዩ። ንሱ ሓደ ካብቶም 232 ኤራውያን ስደተኛታት ካብ ማልታ ናብ ኤርትራ ኣብ መስከረም 2002 ዝተጠረዙ እሞ ኣብ 2005 ብ ኤልሳ ጭሮም ቃለ-መጠየቅ ዝተገብረሉ’ዩ። ናይ ዓይኒ ምስክር ነቶም ብጥምየት ብጽምእን ስእነት ሕክምናን ዝሞቱ እሱራት። “ኩሉ ሰብ ይፈልጥ’ዩ። ኣልኣዛር ገብረንጉስ ካብ ማልታ ኣብ 2002 ተጠሪዙ፡ ብጉድለት ሕክምና ሞይቱ፡ ንባናናን ኣራንሽን አንዳለመነ። ጽምእን ጥምየትን እቲ ዋዒን እኩላት ኣብ ዘይኮንሉ እዋን ከኣ እቶም እሱራት ናይ ግድን ይግረፉ” ብምባል ከኣ ይዛረብ’ቲ ስደተኛ።
ሳልሳይ ምንጪ ነዚ ዘራጉድ እውን ኣሎ። ኣብቲ ብ ሁማን ራይትስ ዋች፡ “ኣገልግሎን ንምሉእ ህይወት” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ዝወጸ ጸብጻብ፡ ሓደ ምሉእ ምዕራፍ ብዛዕባ ኣገባብ ግፍዒ የጠቃልል። ኤልክትሪኮ፡ ፌሮ፡ ጄሶ፡ ክሪስቶ፡ ጎማ። ናይ ቋንቋ ጣልያን ቃላት ኣብ ኣገባግ ምስቃይ ከኣ ገለ ካብ ግዜ ግዝኣት ኢጣልያ ዝተወርሰ ኣገባባት ክኸውን ይኽእል። እዚ ጸብታብ እዚ ብዛዕባ እቶም ካብ ሊብያ ኣብ 2004 ዝተጠረዙን፡ ብዛዕባ እቶም ኣብ 2002 ካብ ማልታ ዝተተረዙን’ውን የጠቃልል። ከም ኣገላልጻ ሁማን ራይትስ ዋች፡ ኣብ ኣዝዩ ጽኑዕ እሱርቤታት ደሴት ዳህላክ ከቢር፡ ኣብ ትሕቲ-መሬት ዝርከቡን ብዚንጎ ዝተሰርሑ ክፍልታት፡ ብጻዕቂ፡ ጥምየትን ሃሩርን ከም ዝተኣስሩ የረጋግጽ።

ዝበዝሑ ካብቶም 3000 ዝኮኑ ኣብ 2008 ኢጣልያ ዝኣተዉ ኤርትራውያን ዑቅባ ክወሃቦም ሓቲቶም፡ ኣብ ትሕቲ ዓለምለኻዊ ዑቅባ ከኣ መንበሪ ፍቃድ ተዋሂብዎም። ሕጆ’ውን እንተኾነ፡ ኢጣልያ ኣብ መሬታ ከይበጽሑ ከለዉ ክትክልክሎም’ያ ትጽዕር ዘላ። እቲ ዛንታ ገና ኣይጀመረን፡ በቶም ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ 1, 2009 ናብ ሊብያ ዝተጠረዙ ይኹን ብዛዕባ እቶም ኣብ ምስራታ ካብ 2006 ኣትሒዞም ተኣሲሮም ዝርከቡ ከባቢ 700 ዝኾኑ ኤርትራውያን ወላ ሓደ ኣይተነግረን። እቲ ዛንታ ብC: Fን: Lን ጀሚሩ ኣሎ። እወ፡ ኣብ 2004 ብኢጣልያ ዝተወደበን ዝተመወለን ጥርዝያ፡ ኣብ ኣርባዕተ በረራታት ተጠሪዞም። እዚ ከኣ ብመሰረት ኢጣልያ ምስ ቃዛፊ ኣብ 2003 ዝገበርዎ ውዕል ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት’ዩ። እዚ ኣብ ኤውሮጳዊ ሕብረት ዝርከብ ጸብጻባት ዘረጋግጽዎ’ዩ። ሓደ ራብዓይ በረራ’ውን ኔሩ፡ እንተኾነ ኣብ መዓልቦኡ ኣይበጽሐን።ምኽንያቱ ከኣ መጭወይቲ ስለዘጋጠመ። ኣብ ነሓሰ 2004’ዩ ኔሩ፡ ገለ 84 ዝኾኑ ተሳፈርቲ ነታ ነፋሪት ብምቁጽጻር ኣብ ካርቱም ሱዳን ኣውሪዶምዋ፡ ኣብኡ ከኣ ብላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ናይ ስደተኛ መሰል ረኪቦም። ዕድል ገይሮም ነቲ ዋርሳይ ይከኣሎ ዝተባህለ ወላ ሓደ ኣይበርከትሉን!