25 September 2009

ሊብያ፡ ዝተጠረዙ ስደተኛታት ቃሎም ይህቡ፡ “ ተቀጥቂጥና ናብ ሳሃራ ተሰጉግና”

ሮማ፡ ብ ወተሃደራት ኢጣልያ ተቐጥቂጦም’ዮም ናብ ሳሃራ ተጠሪዞም። ብ ወተሃደራውያን መራኽብ ኢጣልያ ናብ ሊብያ ዝተመልሱ ስደተኛታት፡ ካብቲ ኣሽሓት ኪሎሜትራት ካብ ትሪፖሊ ርሒቁ ኣብ ማእከል ምድረ-በዳ ዝተደኮነ ሸላታት ንመጀመርያ ግዜ ቃሎም ይህቡ። ብቴለፎነ ክንረኽቦም ክኢልና። 38 ሶማላውያን ኮይኖም ኩላቶም ደቂ-ተባዕትዮ’ዮም። እዚኦም ኣካል ናይታ ብ27 ነሓሰ 2009፡ 81 ሶማላውያን ጽዒና ካብ ትሪፖሊ ዝተበገሰት ጃልባ ኮይኖም፡ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ብኢጣልያውያን ዝተነጽጉ እሞ ብዕለት 30 ነሕሰ ንድሕሪት ዝተመልሱ’ዮም።

A.ሓደ ካብኣቶም ኮይኑ ወዲ 17 ዓመት’ዩ። ንሱ ከምዚ ይብል “ ዕለት 27 ነሓሰ ለይቲ ኢና ተበጊስና፡ ምሳና ከኣ 17 ደቂ-ኣንስትዮ፡ 7 ቆልዑን ሓንቲ ዓባይ ሰበይቲን ኔሮምና፡ ኩላትና ከኣ ሶማላውያን ኔርና” ። ድሕሪ ናይ ክልተ መዓልቲ ጉዕዞ ባሕሪ እዛ ናይ ጎማ ጃልባ፡ ናይ ማልታ ሓለዋ ባሕሪ ረኺባ። “ንሳቶም ማይን ናይ ባሕሪ መድሕኒ ጃከትን ሂቦምና። ኢጣልያ ከይትጥርዘና ስለዝፈራሕና ከኣ ኣንፈት ናይ ማልታ ክሕብሩና ሓቲትናዮም፡ ምስ ኣርኣዩና ከኣ ጉዕዘና ቀጺልና። ከባቢ ሓሙሽተ ሰዓታት ምስ ተጓዓዝና ኢና ናብ ሲሲሊ ነምርሕ ምህላውና ክስቆረና ክኢሉ” ይብል M. ወዲ 29 ዓመት መተኣስርቱ።
እዞም መግለጺታት ናይ’ዞም ኣጋጣሚታት ምስቶም ብ 30 ነሓሰ ብመራኸቢ ብዙሓን ዝተሓበሩ ዝጋጠሙ’ዮም። ዕስራን ኣርባዕተን ማይል ካብ ካፖ-ፓዘሮ ግዝኣት ሲራኩሳ ብ ናይ ኢጣልያ ሓለዋ ባሕሪ’ዮም ተረኺቦም። ሓደ ሓድሽ ዝተወልደ ህጻንን ሓንቲ ሰበይትን ምስ ካልኦት ክልተ ስደተኛታት ናብ ሆስፒታል ቫሌታ ተሰጋጊሮም። ካሊእ ሓምሻይ ከኣ ኣብ ሲሲሊ ዝርከብ ሆስፒኣል ፓዛሎ ተሓኪሙ። ዝተረፉ ተሳፈርቲ ከኣ ናብ ጓርዲላ-ዲ-ፍራንዛ ዝተባህለት ባሕሪ ትሕሉ መርከብ ተሰጋጊሮም፡ ንሳ ከኣ ሒዛቶም ናብ ትሪፖሊ ገጻ ተንሳፍፍ፡ ኣብ ካልኣይ መዓልቲ ከኣ ትሪፖሊ ኣተዉ። ክሳብ’ዚ እቲ ወግዓዊ ክፋል’ቲ ዛንታ’ዩ፡ ካብኡ ንደሓር ግን እንታይ ኣጋጠሞም?

“ኣብ መርከብ ጽዒኖም ክወስዱና ከለዉ ናበይ ይወስዱና ምህላዎም ኣይነገሩናን” ይብል A ፡ “ድሕሪ ገለ እዋን ግና እንዳነጸረ ከይዱ፡ ምኽንያቱ ኣብ ባሕሪ ኣዝዩ ነዊሕ ግዜ ወሲዱልና፡ ትሪፖሊ ክንበጽሕ ከባቢ 28 ሰዓታት ወሲዱልና”። ኣብ’ዚ ከኣ ኣዝዩ ብርቱዕ ተቃውሞ ተባሪዑ። “ሽዑ መቓቒሎሚና፡ እተን 17 ደቂ-ኣንስትዮ ምስ 7 ቆልዑ በቲ ሓደ ወገን፡ እቶም ደቂ-ተባዕትዮ ከኣ በቲ ካልእ ወገን። እተን ደቂ-ኣንስትዮ ይበኽያ ኔረን፡ እቶም ደቂ-ተባዕትዮ ከኣ ይጭድሩ። ብዕድል ሰለስተ ሰባት ቛንቛ እንግሊዝ ዝዛረቡ ኔሮሙና፡ ከም ተርጎምቲ ኮይኖም ከኣ ምስቶም ኢጣልያውያን ይዛረቡ ነይሮም። ‘ኣብ ሊብያ ሂወት የለን’ ከኣ ይብሉዎም ነይሮም። ሶማልያውያን ምዃና፡ ኣብ ሶማልያ ኩናት ይካየድ ምህላዉን፡ ናብ ሊብያ ከኣ ክንምለስ ከም ዘይንክእልን ነጊርናዮም። ናብ ሱዳን ክመልሱና ከም ዝሓይሽ ከኣ ነጊርናዮም፡ ምኽንያቱ ኣብ ሊብያ ዝጽበየና እሱር-ቤት ስለዝኾነ”።

“ፈለማ- ይብል A.- እቶም ኢጣልያውያን ወተሃደራት ጉዳይና ተረዲኦምልና ኔሮም። A. ከም’ዚ ብምባል ነቲ ዝዓበየ ወተሃደር ይዝክሮ “ሓደ ጻዕዳ ጸጉሩ ሰብኣይ’ዩ፡ ኣብ ቅድሚ እተን ዝበኽያ ዝነበራ ደቂ-ኣንስትዮን፡ ቆልዑን፡ እታ ዓባይ ሰብትን ኮይኑ ይነብዕ ኔሩ፡ ናብ እሱር-ቤት ይሰዱና ከምዘለዉ ብምርዳእ። እዚ ወተሃደር ከኣ ምስ ላዕለዎት ኣዘዝቱ ብዛዕባና ብዙሕ ተዘራሪቡ፡ እንተኾነ እታ ናይ ሓለዋ ባሕሪ መርከብ ፈጺማ ንድሕሪት ኣይተመልሰትን”። ኣብ ከባቢ ፍርቂ መንገዲ’ያ እምበኣር ናይ ሊብያ መርከብ ትቕበላ፡ ብኡ-ንብኡ ከኣ አቶም ተሳፈርቲ ክሰጋገሩ። ኣብ’ዝ ህሞት አዚኣ ከኣ እቲ ተቓውሞ ጥርዚ በጺሑ። ገለ ካብቶም ደቂ-ተባዕትዮ ክሳብ ናብ ባሕሪ ዘሊሎም ከኣትዉ ተደናዲኖም። ኣብዚ ኸኣ አቶም ኢጣልያውያን ወተሃደራት ሓይሊ ክጥቀሙ ጀመሩ፡ ነቶም ኣወዳት ከኣ ብሓይሊ ኣንጠልጢሎም ከሰጋግርዎም ፈቲኖም። ኣብ መወዳእታ ግና ምስግጋር ገዲፎም ክሳብ ደንደስ ባሕሪ ትሪፖሊ ንብጽሕ ኣብታ መርከብ ጸኒሕና። ኣብታ ገምገም ባሕሪ ክንበጽሕን እቲ ጫውጫውታን ተቓውሞን ከኣ ህጣሙ ክጠፍእን ሓደ ኮነ፡ ካብዚ ንደሓር ብጩቕ ዝበለ በቶም ሊብያውያን ሕርሕራይ ገይሩ ክቕጥቀጥ ስለዝኮነ” ይብል A. ኣብ መወዳእታ።

ብድሕሪ’ዚ ናብ ኣብ ከባቢ መዓርፎ ነፈርቲ ከተማ ትሪፖሊ ዝርከብ ትወሻ ዝበሃል እሱር-ቤት ተሰጋጊሮም። ድሕሪ ሓደ ወርሒ ድማ ናብ ዝተፈላለየ መዳጎኒ እሱር-ቤታት ተወሲዶም። ካብዚኦም እቶም ሰላሳን ሸሞንተን፡ ደቂ-ኣንስትዮ ዘይብሎም ኣብ ጋትሩን ኮይኑ መፈጸምታ ጉዕዞኦም። እዚ ኣሽሓት ኪሎሜትራት ደቡብ ካብ ትሪፖሊ፡ ኣብ ዶብ ኒጀርን ጫድን ኣብ ማእከል ሳሃራ ዝርከብ’ዩ። ጉዕዞ ካብ ትሪፖሊ ኣብ ኮንተይነራት ተዓጺኻ ንሰለስተ መዓልቲ ወሲዱ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ጋትሩን ከባቢ 245 ሶማላውያን አሱራት ኣሎው። ኣብ ሰለስተ ክፍልታት ተጸቓቂጦም ይነብሩ፡ ኣብ’ቲ ምንጻፍ ኮነ ኮበርታ ዘይብሉ መሬት እናደቀሱ፡ ብኣስሓይታ ለይቲ እናተገርፉ፡ ገለ ካብእቶም ከኣ ብ ዓበቕ ተታሒዞም ይርከቡ። ሓንቲ ካብተን ክፍልታት ንደቂ-ኣንስትዮ ዝተሕዝአት’ያ። ኣብዛ ክፍሊ ከኣ 54 ደቂ-ኣንስትዮን 4 ቆልዑን ኣሎዉ፡ ካብዚኦም እቲ ሓደ ህጻን ውሑድ ኣዋርሕ ዝገበረ ኮይኑ ኣብ እሱር-ቤት ቤንቓዚ ዝተወልደ’ዩ። ዳንጋ ዝበዝሑ ካብዞም ኣብ ጋትሩን ዝርከቡ እሱራት ከኣ ካብ ናይ ጋንፉዳ እሱር-ቤት ቤንቃዚ ዝመጹ’ዮም።

ትዝክሩ’ዶ? ኣብ ዝሓለፈ መስከረም ዝተገብረ መጽናዕቲ ተዛሪብና ኔርና። ኣብ’ቲ ሽዱሽተ ሶማላውያን ዝቀተለን ዝቡሓት ካልኦት ከኣ ግዳይ መቁሰልቲ ዝገበረን ፈተነ ህድማ ካብ እሱር-ቤት ፡ ብሊብያውያን ፖሊስ ብኣልማማ ዝተቐዝፉ፡ ኣብዚ ከኣ ኩሉ ናይቶም ዝተጎድኡ ስእልታት ዘርጊሕና ኔርና።

ኣብ ጋትሩን’ውን እንተኾነ እዚ ብሓባር ምህዳም ፈተነ ተኻይዱ’ዩ። እዚ ፍጻመ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ኮይኑ፡ ማዕጾ ብምስባር ዮም 91 ሰባት ሃዲሞም። ካብዚ’ኦም 32 በቶም ሊብያውያን ፖሊስ ዳግማይ ተታሒዞም። “መጀምርያ ብብርቱዕ ቀጥቂጦምና-ይብል -ሽዑ መሊሶም ናብዚ እሱር-ቤት ኣምጺኦምና። ነዞም ኣብዚ ዘሎና ወላ-ሓንቲ ፍታሕ የብልናን፡ ኣብዚ ንኣዋርሕ ክንጸንሕ ከሎና፡ UN ዝበሃል ሪኢና ኣይንፈልጥን። ኣብዛ ሕጂ ህሞት ኮይንና ግና UNን ኤውሮጳን ናብ ዓድና ክመልሱና ንሓትት ፡ እሞ ወላ ካብ’ዚ እሱር-ቤት ተዓጺኻ ምንባር፡ ኣብ’ቲ ኣብ መቓዲሾ ዝካየድ ዘሎ ኩናት ሙማት ይሕሸና”