19 July 2010

ጭብጢ ግፍዒ ስደተኛታት ኣብ ሊብያ፡ ኣብ 15 ስእልታት

ርማ- ኣብ መወዳእታ ኣብ ቢንቃዚ ዝተካየደ ቅትለት ዘርእዩ ስእልታት ክንረክብ ክኢልና። ብዙሕ ዝርዝራት ዘይብለን ዓሰርተ-ሓሙሽተ ኣሳእል በተን ካብ ፈተሻ ሊብያውያን ዘምለጣ ሞባይል ቴለፎናት ተሳኢሉ። ብዙሓት ሰባት ብካራ ዝተጎድኡ ከኣ የርእየና። ኩላቶም ሶማላውያን ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ኮይኖም፡ ነቲ ነዊሕ ሳሃራ ሊብያ ሰንጢቆም ብቀጥታ ናብ ላምፓዶዛ ገጾም አንዳገስገሱ ኣብ ጋንፉዳ ጥቃ ቢንቃዚ፡ ዝተኣስሩ ኢዮም። ኣብ ቀላጾም ዘሎ ሓዲሽ ቁስሊ፡ ኣብ እግሮም ዘሎ ገና ተኸፊቱ ዝርከብ ቁስሊ፡ ኣብ ሕቆኦምን ርእሶምን ዘሎ ባንዳጅ ክረአ ይከኣል። ክዳውቶም ገና ደም ሰትዩ ይርከብ። ኣብ ነሓሰ 11፡ ናይ ሶማልያ ዌብ-ሳይት ሻበለ፡ ነዚ ኣብ ቢንቃዚ ብሊብያውያን ፖሊስ ዝተካየደ ህልቂት ዜናታት ምስ ኣውጸአት፡ ኣምባሳደር ሊብያ ኣብ ሞቃዲሾ ራቢቕ ቻንሹር ብምልኡ ክሒድዎ። ኣብዚ ሕጂ አዋን ግና ነዞም ስእልታት አዚኦም ንምኽሓዶም ኣጸጋሚ ኢዩ።



እዞም ስእልታት እዚኦም መጀመርያ ኣብ ዌብ-ሳይት ሻበሊ ተዘርጊሖም ነይሮም። ሎሚ ከኣ ፎርትረስ-ዩሩፕ (Fortress Europe) ትዕዝብትታታ ኣብ ኢጣልያ ተለዓዕሎ ኣላ። ብመሰረት ብቴለፎነ ቃለ-መጠየቕ ዘካየድናሎም ናይ ዓይኒ መሰኻኽር፡ መብዛሕቲኦም ሶማላውያን፡ ገለ ውሑዳት ከኣ ኤርትራውያን ዝርከበዎም ከባቢ ሓምሳ ጉዱኣት ኣለዉ። ወላ ሓደ ካብዚኦም ሕክምና ዝተወስደ የለን። ካብ’ቲ ዕግርግን ከባቢ ዕስራ መዓልታት ገይሩ ኣሎ፡ እንተኾነ ኩላቶም ገና ኣብቲ እሱር-ቤት ዮም ተዓጽዮም ዘለዉ።

ኩሉ እቲ ዘጋጠመ ነገር ኣብ ምሸት ነሓሰ 9 ኮይኑ፡ ከባቢ 300 ዝኮኑ መብዛሕቲኦም ሶማላውያን ስደተኛታት ናይ ህድማ ፈተነ ኣብ ዘካየድሉ አዋን ኢዩ። ብሊብያውያን ዝተገብረ ጸቅጢ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ኢዩ። ሓጻዊንን ካራሩን ዝሓዙ ፖሊስ ከኣ ብዓይኒ-ኣይብለይ ስነ-ኣይቢለይ ነቶም ህድማ ዝፈተኑ ቀጥቂጦምዎም። ኣብ መወዳእታ እቲ ኹናት ከኣ ሽዱሽተ ስደተኛታት ሞይቶም ተሪፎም። ቁጽሪ ምውታት ግና ብዝተዓጻጸፈ ክዓቢ ይኽእል፡ ምኽንያቱ እቶም ደሃዮም ዘይተፈልጠ ዘሎ ደርዘናት ሶማላውያን ገና ስለዘይተረኽቡ።

እሱር-ቤት ጋንፉዳ ካብ ቢንቃዚ ከባቢ ዓሰርተ ኪሎሜተር ኣብሊሉ ርሒቁ ይርከብ። ኣብዚ ከባቢ 500 ዝከውን ቁጽሪ አሱራት ኣሎ፡ አዚኦም መብዛሕቲኦም ሶማላውያን ኮይኖም፡ ገለ ኤርትራውያን፡ ናይጀርያውያንን ከምኡ’ውን ካብ ማሊ ይርከብዎም። ኣብ ከባቢ ዩጅዳብያን ቢንቃዚን ብግፋ ፖሊስ ካብ ከተማ ከኣ ተታሒዞም። ዝተከሰስዎ ክሲ እንተኔሩ ከኣ ናብ ባሕሪ መዲተራንያን ክትከዱ መደብ ኔርኩም ዝብል ኢዩ። ገለ ካብኣቶም ን ዓመት ገለ ከኣ ን ሽዱሽተ ኣዋርሕ ተኣሲሮም ኣለዉ። ቤት-ፍርዲ በጺሑ ዝፈልጥ ወይ ከኣ ዝተፈርደ ሰብ የለን። ብዙሓት ካብዚኦም ከኣ ብሕማማት ቆርበት፡ ዓበቕን ናይ ምስትንፋስ ጸገማትን ይሳቐዩ ኣለዉ። እታ ሓንቲ መውጸኢት መንገዲ ከኣ ብገንዘብ ጥራይ ኢያ፡ ግና እቶም ፖሊስ ካብ ሓደ ስደተኛ ከባቢ $1,000 ይሓቱ። ኩነታት እቲ እሱር-ቤት እዉን’ተኾነ ኣዝዩ ሕማቅ’ዩ። ኣብ ሓደ ሓሙሽተ ብ ሽዱሽተ ሜትሮ ክፍሊ ከባቢ 60 ሰባት ኣለዉ። ማይን ባንን እንዳተመገቡ ከኣ ኣብ መንጸፍ ዘይብሉ መሬት ይድቅሱ። መዓልታዊ ከኣ በቶም ፖሊስ ኣዝዩ ሕማቅ ግፍዕታትን ዓመጽን የጋጥሞም።

ብካልእ ወገን ከኣ፡ ሓያሎ ሓለፍቲ ካብ Radical Party አዋናዊን ህጹጽን ሕቶታት ናብ ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስትርይ ወጻኢ ጉዳያትን ኣቅሪቦም ኣለዉ። ኣብ ነሓሰ 1ብ ከኣ “ሶማላውያን ሓተትቲ ዑቕባ ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሰ ጭብጥታት ኣብ ግምት ብምእታው ናብ ሊብያ ንከይጥረዙ፡ ኢጣልያ ኣብ ዳግመ-ግምት ክትገብር” ኢሎም ይሓቱ ኣለዉ። ጉዳይ ምላሽ ኣብ ፓርላሜንት ምናልባት ክዳናጐ’ዩ። እንተኾነ እቲ መልሲ እውን ፍሉጥ ኢዩ። ኣብ ዝሓለፈ 31 ነሓሰ ዝተካየደ ጥርዝያ ኣሎ ናይ ቀረባ ጭብጢ፡ 75 ሶማላውያን ተጠሪዞም።