29 July 2010

74 ኤርትራውያን ኣብ መንጎ እቶም ብ ሓደ ሓምለ ናብ ሊብያ ዝተመልሱ 89 ስደተኛታን

“እዚ ቪድዮ እዚ፡ ኤርትራውያን ብ 1 ሓምለ ናብ ሊብያ ቅድሚ ምምላሶም፡ ኣብታ ተሰቂሎምዋ ዝነበሩ ጃልባ ከለዉ ዝተሳእለ ስእሊ ኢዩ”
ትሪፖሊ፡ ሓምለ 6 2009- ኤርትራውያን ተሳፈርቲ ናይታ ጃልባ ብሓምለ ሓደ ናብ ላምፓዶዛ ኢጣልያ ካብ ምእታው ተኸለኪሎም። እዚኦም ስደተኛታት ሕጂ ስግኣት ምጥራዝ ናብ ሃገሮምን መወዳእታ ዘይብሉ እሞ ከኣ ቅድሚ ሕጂ ተዳጉኖምሉ ዝጸንሑ እሱር-ቤት ሊብያ ኣንጸላልይዎም ይርከብ። ሱሳን ሓሙሽተን ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ዝዋራ ክእሰሩ ከለዉ እተን ትሽዓተ ደቂንስትዮ ከኣ ኣብ ዛውያ ምዕራብ ካብ ትሪፖሊ ተኣሲረን ኣለዋ። ምሉእ ዝርዝር ኣሽማትኣብ ትሪፖሊካብ ዝርከቡ ናይ ኤርትራ ሕብረተሰብ በጺሑና፡ እንተኾነ ግና ብርዱእ ናይ ጸጥታ ምኽንያት ኣብዚ ኣይውጻእናዮን። እቶም ዝበዝሑ ካብዚቶም ካብ ውትህድርና ሃዲሞም ዝወጹ ኢዮም፡ ግን ከኣ ኣዝዩ ውሑድ ክፋል ናይቲ ኣስታት 130,000 ዝበጽሕ ቁጽሪ ኤርትራውያን ኣብ ሱዳን። ንዓመታት ዝኣክል ኣወዳትን ኣዋልድን መንእሰያት ዕድሚኦም መምስ-ኣኸለ ናብ ወትህድርና ክስግደዱ ጸኒሖምን፡ ኣብኡ ከኣ ብዘይ ገደብ ክጸንሑ ይግደዱ፡ ክሃድሙ ተተታሒዞም ከኣ ብዘይ ገደብ ይእሰሩ። ጋዜጠኛታት፡ ጸሓፍቲ፡ ፖለቲከኛታትን መራሕቲ ሃይማኖትን’ውን’ተኾነ ዕጫኦም ካብ ዕለተ ናጽነት 1991 ኣትሒዙ ተማሳሳሊ ኮይኑ’ዩ ጸኒሑ፡ ምኽንያቱ እታ ሃገር ምስ ግዜ ውልቀ-መላኽነት አናወረሳ ስለዝመጸ። ኢጣልያ ንጉዳይ ኤርትራውያን ካብ ዝርደኣኦ ሃገራት ኢያ፡ ከሙ ስለዝኾነት’ያ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ሲሲሊ ክበጽሑ ዝከኣሉ ከባቢ 2,739 ኤርትራውያን መንበሪ ፍቃድ ዝሃበት፡ እዚ ከኣ ብመሰረት ናይ ዓለምለኻዊ ግዴታ ኣብ ጉዳይ ናይ ፖለቲካ ስደተኛታት ኢዩ ተዋሂቡ። ግን ሕጂ እቲ ግዜ ተለዊጡ ኢዩ። ካብ ባሕሪ ንድሕሪት ምምላስ ኢዩ ኮይኑ ዘሎ እቲ ነገር። እቶም ናብ ሊብያ እንተተጠሪዞም ኣብ ሓደጋ ክኣትዉ ዝኾኑ ሰባት ጉዳዮም ብዙሕ ዘገድስ ነገር ይመስል የለን።

ድሕሪ’ዚ ኩሉ ከኣ ሮበርቶ ማሮኒ፡ ናይ ኢጣልያ ሚኒስሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ብተኣማንነት፡ “ኣብ ሊብያ UNHCR ኣሎ፡ ጉዳዮም ሪእኡ ከኣ ዑቅባ ክህቦም ይኽእል’ዩ” ይብል። እቲ ጉዳይ ግን ገና ዕጹው’ዩ ዘሎ። ሓደ ሰደተኛ ኣብ ሊብያ ብቀሊል ዑቅባ ክረክብ ዝኽእል ነይሩ እንተዝኸውን ስለምንታይ ህይወቱ ኣብ ሓደጋ የእትዩ ኣብ ኤውሮጳ ዑቕባ ክሓትት ኣድልይዎ? መን ይፈልጥ እዞም ናብ ሊብያ ዝተጠረዙ 75 ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ነዚ ሓሳባት ይሰማመዕሉ እንተኮይኖም? ላዕለዋይ ተጸዋዒ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ብዙሕ ግዜ ተነጊርዎ’ዩ። እቲ ጉዳይ እንተተዓዊቱ ከኣ እቲ ናብ ሃገሮም ምጥራዝ ተሪፉ ከምቶም ካብ 2006 ኣትሒዞም ኣብ ምስራታ ከባቢ 200ኪ.ሜ. ምብራቕ ካብ ትሪፖሊ ርሒቆም ተዳጉኖም ፍታሕ ዝጽበዩ ዘለዉ ኤርትራውያን ኣሕዋቶም ክእሰሩ ኢዮም። ከም ኣበሃህላ ማሮኒ እቲ ፍታሕ፡ ነቶም ፖሊቲካዊ ዑቕባ ዝሓቱ ሰባት ናብ ሳልሳይ ሃገር ምስግጋር ኢዩ፡ ስለዚ ከኣ ፍቃደኛታት ሃገራት ምንዳይ። ኢጣልያ ከኣ ኣብ 2007 ከባቢ 60 ኤርትዋይዋን ደቂንስትዮ ከባቢ ሓደ ዓመት ኣብ ምስራታ ተኣሲረን ዝጸንሓ ወሲዳ። ኣብዚ እሱር-ቤት አዚ ከባቢ ሰለስተ ዓመታት ዝተኣስሩ ሰባት እውን ኣለዉ። ናብ ኤርትራ ተመሊስካ ናብ እሱር-ቤታት ካብ ምእታው፡ ወይ ከኣ ናብ ድፋዓት ናይ ዶባት ኢትዮጵያ ካብ ምሕላው ኣብዚ ተዓጽዮም ክጸንሑ ይመርጺ፡ ነቲ ዝበለጸ ክፋል ዕድሚኦም ብዘይ ፍረ እንዳኣሓለፉ። እዚ ከኣ ናብ ኢጣልያ እንዳጠመትካ፡ ወይ ከኣ ኤውሮጳ ወላ ቁሩብ ካብ ማዕጾታተን ክኸፍታ እንዳተተስፈካ’ዩ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ቀንዲ ዕንቅፋት ነቲ መሰረታዊ መሰል ደቂ-ሰባት ኮይኑ ዘሎ ጉዳይ ናይ ምምላስ ስደተኛታት ኢዩ። እዚ ምምላስ ሰደተኛታት ናብ ሊብያ ኣብዚ ሕጂ እዋን ጉዳይ ዑቕባኦም ከይመመኻ ይካየድ ስለዘሎ ኣዝዩ እሻቃሊ ጉዳይ ኮይኑ ኣሎ። ሰብኣዊ መሰላት ናይዞም ሰባት ብጉዳይ መክሰባት ተሸይጦም ይርከቡ። ግን ከኣ ሓያሎ ተዓዘብቲ ዘየስተብሃልሉ ነገር እንተልዩ፡ ኩላቶም እዞም 74 ናብ ሊብያ ዝተመልሱ ኣብ ናይ ኤውሮጳ ቤት-ፍርዲ ናይ ዑቅባ ጥርዓኖም ከብጽሑ ይኽእሉ ኢዮም። ጉዳይ ምግሃስ መሰል ናይ ዑቅባ ከኣ ክሲ ከቅርቡ ይኽእሉ ኢዮም፡ ናይ ምዕዋቶም ዕድል ከኣ ኣዝዩ ሰፊሕ’ዩ፡ ምኽንያቱ እዞም ሰባት ናይ ካብ ግፍዒ ምህዳም፡ ካብ መቕጻዕቲ ምህዳምን መሰል ስልዘዘለዎም፡ ስለዚ ከኣ መሰል ሚዛናዊ ፍርዲ የድልዮም። ኣብ ተመሳሳሊ ጉዳይ ኣብ ዝሓለፈ እዋን 24 ሶማላውያንን ኤርትራውያንን ስደተኛታት ናብ ኢጣልያ ምእታው ዝተኸልከሉ፡ ጉዳዮም ናብ ቤት ፍርዲ ኤውሮጳ ብ ጠበቃ ጊዩሎ ላና ካብ ሮማ ተሓጊዞም ኣቅሪቦም ኣለዉ። እቶም ናብ ሊብያ ዝተመልሱ 74 ሓተቲ ዑቅባ እውን መሰል ኣለዎም፡ ግና ክሳብ ሕጂ ጠበቃ ኣይረኸቡን። ኣብዚ ቀረባ እዋን ድማ ጉዳይ ምምላስ ስደተኛታት ብዝተወሃሃደ ኣገባብ’ዩ ዝካየድ ዘሎ። ክልተ ካብቶም ዝተመልሱ ስደተኛታት (ሕጂ እውን ብርዱእ ምኽንያት እሽማቶም ኣይነውጽኦን ኢና) ብዙሕ ከቢድ በገር ኣጋጢምዎም። መርከብ ሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ ማለት Orione ናብ ሊብያ ገጻ ተምርሕ ምህላዋ ምስኣረጋገጹ ብብርቱዕ ተቃዊሞም። ናይ ዓይኒ መሰካኽር ከም ዝሕብርዎ ከኣ ኣብ መንጎ እቶም ወተሃደራትን ኣብ መንጎ ስደተኛታትን ግጭት ኮይኑ። ሕጂ ዘፈርሕ ነገር የለን ማለት’ዩ፡ ኢጣልያውያን ብዘይ ስክፍታ ክድቅሱ ኢዮም። ከም ኣበሃህላ ጭርሖታት ጎስጓስ ምርጫ Norhthern League Party “አቲ ወራር ኣቋሪጽናዮ ኣሎና”።