20 November 2008

ሊብያ፡ ኣብ ውሽጢ መዳጎኒ ስደተኛታት ምስራታ

françaisenglishitalianodeutschturkishespañolgreekdanish
Vista sul cortile del carcere di Misratahምስራታ፡ ብ ግዜ ለይቲ፡ ኣብ ማእከል'ቲ እሱር-ቤት ዝርከብ ሜዳ ኮንካ፡ ድምጺ'ቲ ባሕሪ ክትሰምዕ ትኽእል። እዚኦም ድምጺ ማዕበል ናይቲ ገለ ኣማኢት ሜትሮታት ጥራይ ርሒቑ ዝርከብ ባሕሪ ሜድትራንያን'ዮም። ሕጂ ኣብ ምስራታ ኣሎና፡ ገለ 210 ኪ.ሜ. ንምብራቕ ካብ ትሪፖሊ- ሊብያ። እቶም እሱራት ከኣ ኩላቶም ካብ ጉዕዞ ንላምፓዶዛ ወይ ድማ ካብ ከተማ ትሪፖሊ ዝተኣስሩ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ'ዮም። ግዳያት ናይ'ቲ ኣብ ሞንጎ ኢጣልያን ሊብያን ዘሎ ኣዕናዊ ስምምዕ ኣብ ዋሕዚ ስደተኛታት። እዚኦም ካብ 20 ክሳብ 30 ዝዕድሚኦም ኮይኖም፡ 58 ደቂንስትዮ፡ ብዙሓት ቆልዑን ህጻናትን ዝርከብዎም ብጠቅላላ ልዕሊ 600 ሰባት'ዮም። መብዛሕቲኦም ንልዕሊ ክልተ ዓመታት ዝተኣስሩ እኳ አንተኾኑ፡ ወላ ሓደ ካብኣቶም ግና ኣብ ቤት ፍርዲ ዝቐረበ የለን። ከባቢ 20 ሰብ ኣብ 4 ብ 5 ሜትሮ ዝስፍሓቱ መስኮት ዘይብሉ ገዛ ኣብ መሬት ይድቅሱ። ሓደ ብልጫኦም ግና ኣብ ትሕቲ እተን ትኩራት ኣዒንቲ ፖሊስ ኣብ ካንቸሎ ክጸንሑ ዝፍቀደሎም ምኻኖም'ዩ። እንታይ'ዩ ገበኖም? በቓ ናብ ኤውሮጳ ዑቕባ ንምሕታት ክኸዱ ስለዝፈተኑ።

Vista sul cortile del carcere di Misratahሕጂ ኣብ ዲያስፖራ ዝርከቡ ኤርትራውያን ብላምፓዶዛን ማልታን ዝሓለፉ'ዮም። ካብ 2005 ንደሓር፡ ብውሕዱ 6000 ስደተኛታት ካብታ ናይ ቀደም ግዝኣት ኢጣልያ ካብ ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብምህዳም ኣብ ገማግም ባሕሪ ሲሲሊ በጺሖም። ኣብ ኣስመራ ዘሎ ኩነታት ሕጂው'ን ኣተሓሳሳቢ'ዩ። ኣምነስት ኢንተርናሽናል ምእሳርን ምግፋዕን ናይ ተቃወምትን ጋዜጠኛታትን ኮኒንዎ'ዩ። ወጥሪ ምስ ኢትዮጵያ ልዑል ብውህላዉ፡ ኣብዛ 4.7ሚልዮን ህዝቢ ዘለዉዋ ሃገር ብውሕዱ 320,000 ኤርትራውያን ንዘይተወሰነ አዋን ኣብ ግዱድ ዕስክርና ይርከቡ። ዓመታዊ ብዙሓት ካብ ሰራዊት ናብ ህይወቶም ዝመርሕሉ ቦታ ይሃድሙ። መብዛሕቲኦም፡ ማለት ከባቢ 130,000 ኣብ ሱዳን ይተርፉ። ዝተረፉ ግና ሳሃራ ብምስንታቕ፡ ብመንገዲ ሊብያ፡ ብጀላቡ ናብ ኤውሮጳ የብሉ።
ብዛዕባ ምስራታ ንመጀመርያ ግዜ ዝሰማዕኩሉ እዋን፡ ኣብ ኣየት 2007'ዩ ኔሩ። እዚ ከኣ ምስ ሓላፊ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ኣብ ትሪፖሊ (UNHCR) መሕመድ ኣል ዋሽ ኣብ ሮማ ዝተገብረ ኣኬባ'ዩ። ጸኒሕና ኣብ ሓምለ 2007፡ ብምትሕግጋዝ ማሕበር ኤርትራውያን ምስቶም አሱራት ኤርትራውያን ናይ ቴላፎን ርክብ ጌርና። ብኹነታት ጻዕቂ ሰብ፡ ኩነታት ጽሬትን ጥዕናን ብፍላይ ድማ ብኩነታት ነፍሰ-ጾራትን ህጻናትን ብዙሕ ኣማሪሮም። ጾታዊ ዓመጽ ብኣባላት ፖሊስ ከምዝፈጸሙ'ውን ይከሱ። ኣብ'ቲ ግዜ'ቲ ኣምነስት ኢንተርናሽናል ብዛዕባ ምጥራዝ እሱራት ኤርትራውያን ካብ ሊብያ ዘለዎ ዓሙቕ ስክፍታ ገሊጹ ነይሩ'ዩ። ኣብ መስከረም 18 ከኣ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ኤውሮጳ ንከይጥረዙ ዝጽውዕ ሰለማዊ ሰልፍታት ኣካይዶም።

Il direttore del carcere di Misratah, colonnello Abu Udሓላፊ ናይቲ መዳጎኒ፡ ኮለነል ዓሊ ኣቡ ኡድ ብዛዕባ ምስራታ ዝበሃል ኩሉ ዓለምለኻዊ ጸብጻባት ይፈልጦ'ዩ፡ እንተኾነ ግና ንኹሉ ክሒድዎ። ብኩርዓት ከኣ"ኩሉ ዝበልዎ ዘበለ ሓሶት'ዩ" ይብል። ኣብ ታሕተዋይ ደርቢ ዝርከብ ቤት-ጽሕፈቱ ጃከትን ክራባታን ተከዲኑ፡ ኣብ ጠረጴዛ ከኣ ሰብ-ሰርሖ ዕምባባ ኣቀሚጡ ኮፍ አሉ ረኪብናዮ። ብመስኮት ከኣ ከባቢ 200 ዝኮኑ እሱራት ኣብ'ቲ ካንቸሎ ክርኢ ክኢለ። ኣቡ ኡድ ምስ ልኡኽ ሊብያ ናብ መቐበሊ ስደተኛታት ኢጣልያ ኣብ ሓምለ 2008 በጺሑ ኔሩ። ምስ ካልኦት እሱርቤታት ሊብያ ብምንጽጻር ድማ ንምስራታ በዓል 5-ኮኮብ ሆተል ክብል ገሊጽዎ። ዳርጋ ሓቁ ይመስል… ድሕሪ ዝተወሰነ ግዜ ከኣ ንዓይን መሳርሕተይ ሮማን ሄርዞግ ካብ ሬድዮ ጀርመንን ምስቶም ኤርትራውያን ስደተኛታት ክንዘራረብ ኣፍቂዱልና። ናብ'ቲ ካንቸሎ ኣቲና ከኣ በቢ መዳይና ተፈላሊና። ኣነ ምስ 28 ዝዕድሚኡን ኣብ'ዚ አሱር-ቤት 24 ኣውርሕ ዝገበረን F. ኣዕሊለ። እንተኾነ ግና ኣነ ንዘረባኡ ብዙሕ የቅልበሉ ኣይነበርኩን። ኣብ ትሕቲ ጫማኡ ምንባረይ ይሓስብ ኔረ፡ ብሓርፋፍ ግምት ኣብ ሓደ ዕድመ ንርከብ፡ እንተኾነ ግን ኣብ እሱር-ቤት ብምርሳዑስ ነተን ኣፍረይቲ ዕድሚኡ ኣብ ጎሓፍ'የን ዝድረበያ ዘለዋ።

Vista sul cortile del carcere di Misratahበቲ ሓደ ኩርናዕ ናይ'ቲ ካብቸሎ ከኣ ሮማን ንቁሩብ ግዜ ካብቶም ንኩሉ ንገብሮ ዝነበርና ስራሕ አንዳተርጎሙ ነቲ ሓላፊ ዝነግሩዎ ዝነበሩ ናይ ጸጥታ ሓለፍቲ ርሕቕ ኢሉ ነቶም ስደተኛታት ከዘራርብ ዕድል ረኪቡ። ምስ S. ከኣ ብ ነጻ ተዘራሪቡ፡ ነጻ ኮይኑ ከኣ፡ “ዝሓወይ! ኣብ ኣዚዩ ሕማቕ ኩነታት ኢና ዘሎና፡ ብኣካልን ብስነ-ኣእምሮን ኢና ንሳቐ ዘሎና። ኣብ’ዚ ክልተ ዓመት ጌርና ኣሎና፡ መጻኢና እንታይ ምዃኑ’ን ኣይንፈልጥን፡ ባዕልኻ ክትርኢ ትኽእል ኢኻ፡ ርአ!”። ኣይደንጎየን ግና እቲ ተርጓማይ ተጸንበሮም እሞ ነቲ ክሎነል ሓበሮ፡ ን S. ድማ ናብ ኤርትራ ክኸይድ ዘይደሊ እንተኮይኑ ሓተቶ። ሮማን ከኣ ነቶም ስደተኛታት ዳግማይ አቲ ሓላፊ ከይኮለፎም ከሎ ናብቲ ክፍልታት ቀልጢፎም ክወስድዎ ሓተቶም። “ ንሕና ኩልና ኤርትራውያን ኢና” ብምባል ይቕጽል። “ኣነ ንሊብያ ኣብ 2005’የ መጺየ። ብሰንኪ ኣብ ሃገርና ዘሎ ኩነታት ከኣ ፖለኢካዊ ዑቕባ ንደሊ። እንተኾነ ዓለም ኣይትግደሰልናል ዘላ። ወላ ሓደ ምቾት ከይረኣኻ ኣብ እሱር-ቤት ንክልተ ዓመት ክትጸንሕ ቀሊል ኣይኮነን። ተኣሲርና ኢና ዘሎና፡ ዓለም ኣብ ደገ እንታይ ትመስል ከም ዘላ ክንርኢ ኣይተፈቕደልናን። በቃ፡ ኩላትና ንደልዮ ዘሎና ነጻነት’ዩ”።

እብ ውሽጢ’ቲ ክፍሊ 18 ሰባት ኣብ ኮቦርታን ረሳሕ ምንጻፍን ኮፍ ኢሎም ኣሎዉ። እዚ ክፍሊ 4 ብ5 ሜትሮ ኮይኑ መስኮት የብሉን። ብምቕጻል S. “ብዙሕ ጻዕቂ ኣሎና፡ ኣየር የለን፡ ብርሃን ጸሓይ እውን ኣይንረክብን ኢና። ኣብ ግዜ ክራማት ኣዝዩ ሃሩር ስለዝኾነ ሰባት ብዙሕ ይሓሙና። ኣብ ግዜ ሓጋይ’ውን ከምኡ… ብግዜ ለይቲ ኣዝዩ ቆራሪ’ዩ”። መወዳእታ ሕዳር ስለዝኮነ፡ እዞም እሱራት ክፉት ጫማን ፈኵስ ጃከታትን ተክዲንም ኣሎዉ። እታ ካልኣይቲ ክፍሊ ግፍሕ ዝበለት’ያ፡ እንተኾነ ግን ቆልዑን ደቂንስትዮን ዝበዝሑ ኮይኖም ብዙሓት ሰባት ኣሎውዋ። ሕጂ ምስኦም ምዝራብ ኣይከኣልን’ዩ፡ እቲ ናይ ጸጥታ ናብ ሮማን ስለዝበጽሐ ስርሑ ኣቛሪጽዎ። ካብ’ዚ ንደሕር ምስ ንሶም ዝመረጹሉ አሱራት ከምንዘራረብ ጌሮም። “ኣነ’ውን እኮ አሱር’የ” ብምባል ነቲ ጸቅጢ ሰጊሩ ክዛረብ ጀመረ። J ወዲ 34 ዓመት ኮይኑ ኣብ ካልኦት 13 ናይ ሊብያ አሱር-ቤታት ከም ዝነበረ ይዛረብ። “ገለ ካባና 4 ዓመት ኣብዚ ዝገበሩ’ዮም፡ ኣነ በዛ ነብሰይ 3 ዓመት ገረ ኣሎኹ። ኣብ ኣዝዩ ተኣፋፊ ኩነታት ኣሎና፡ ገበን ዝበሃል ኣይፈጸምናን፡ ግና ፖሊቲካዊ ዑቅባ ንደሊ ኣሎና። እስከ ተወሓደ ስለምንታይ ዝኾነ ሰብ ጉዳይና አንታይ ምዃኑ ዘይሕብረና ንገረኒ? እንታይ’ዩ ከጋጥመና? UNHCR ውን እንተኾነ ወላ ሓደ ነገር ኣይሕብረናን። ተስፋ ቖሪጸ… ናብዚ 60ኪሎ ኣትየ 48ኪሎ ተሪፈ፡ ስለምንታይ ባዕልኻ ገምቶ”

Vista sul cortile del carcere di Misratahኮሎኔል ኣቡ ኡድ ከኣ ነቲ ንዛረቦ ዝነበርና ብተርጓማይ ይከታታአል ኣሎ፡ ካብ’ዚ ንደሓር ጠጠው ክብል ኣይከኣለን፡ “ናብ ኤርትራ ክትምለስ ትደሊ ዲኻ”? ኢሉ ን J ዝርርብና ኣቛሪጹ ሓተቶ። “ከም ኩሉ ኣብዚ ዘሎ ክመውት እመርጽ” አሉ መሊስሉ። ብድሕሪ’ዚ እቲ ሓላፊ ብሕርቃን ከፈራርሕ ጀመረ፡ “ናብ ኤርትራ ክምለስ ዝደሊ እንተሎ ኣብ ሓደ መዓልቲ ክንጥርዞ ንኽእል ኢና”። J ከኣ “ምሳኻትኩም ብዝራብ ይኽልክሉና ኣሎዉ” በሎ ን ሮማን። እቲ ሓላፊ ጸዋግ’ዩ። ተጸዊጉ ከኣ፡ “ኩሎም ኪምለሱ ሚዃኖም ንገሮም” በለ። ናብ ሮማን ቀሪቡ ከኣ፡ “ይኣክል” ብምባል ኣዘዘ። ሮማን ክቃወም’ዃ እንተፈተነ፡ ኣቡ ኡድ ግና “ወዲእና ኣሎና” ብምባል ደገመሉ፡ ክልተ ሰባት ከኣ ናብ ኣፍደገ ገጾም ሰሓቡና። እታ ካንቸሎ ገዲፍናያ ቅድሚ ምውጻእና፡ እቲ ኮሎነል ብዓውታ፡ “ኣብ’ዚ ብሕማቅ ንተሓዝ ኣሎና ትብሉ እንተኮንኩም፡ ናብ ሃገርኩም ትምለስሉ ሕጂ ከነሳልጠልኩም ኢና። ባዕልኹም ኢኹም ሃገርኩም ኣይንኸድን አልኩም። ስለ’ዚ ኢኹም ከኣ ኣብዚ ዘለኹም፡ ሓደ ካባኹም ናብ ኤርትራ ክምለስ ዝደሊ ግን ነጻ’ዩ። መን ኣሎ ክምለስ ዝደሊ?” ምስ በለ፡ ኩላቶም ብሓባር “ወላ ሓደ” ኢሎም ከኣ መለስሉ። ሽዑ’ቲ ሓላፊ ን ሮማን “ርኢኻ’ዶ? ሕጂ በቃ ወዴና ኣሎና” በሎ።

ደጊምና ናብ ቤ-ጽሕፈት ናይቲ ኮሎነል ከድና። ብኣዝዩ ገጭ-ገጭ ዝኾነ ቃላት ከኣ ማዕረ ክንደይ ይሰርሕ ከም ዘሎ ከእምነና ፈቲኑ። ኢምባሲ ኤርትራ ንክልተ ግዜ ልኡኻት ብምስዳድ ንመንነት ናይቶም እሱራት ክፈልጥ ፈቲኑ፡ እንተኾነ ግና እቶም ስደተኛታት ካብ ምርካቡ ተቆጢቦም። ክሳብ ናይ መግቢ ኣድማ’ውን ኣካይዶም። ብፍሉጥ፡ ከም ዝመስለኒ ኣብ ዓዶም ግፍዕታት ከጋጥሞም ስለዝኮነ’ዮም። ሊብያ’ውን ክትፈልጦ ኣሎዋ፡ ኣብ ነሓሰ 27 2004 ናብ ኤርትራ ንምጥራዝ ዝተፈተነ በረራ ብተሳፈርቲ ናብ ሱዳን ተጨውያ። ጉዳይ ፖለቲካዊ ዑቅባ ግን ንሊብያን ሰበስልጣን ንጹር ኣይኮነን። ኣብ ኣአምሮኦም ዘሎ ዶባት ኤውሮጳ ምሕላው ጥራይ’ዩ። ኤርትራውያን ይሓዙ ናይጀርያውያን፡ ንዕኦም ሓደ’ዩ። ኤርትራዊ ስደተኛ ናብ ሃገሩ ምምላስ አንተኣብዩ ከኣ ቤት ማእሰርቶም መወዳእታ የብሉን። ብመንገዲ UNHCR ናብ ኤውሮጳ ክሰጋገሩ አንተዘይክኢሎም ወይ ከኣ ከምልጡ ተዘይክኢሎም ማእሰርቲ መአዳእታ የብሉን።

Vista sul cortile del carcere di Misratahሃሮን ወዲ 36 ዓመት’ዩ። ክሳብ 2005 ብዘይ ክፍሊት ን12 ዓመታት ኣብ ውትህድርና ድሕሪ ምጽናሕ፡ ሰበይቱን ክልተ ደቁን ገዲፉ ተሰዲዱ። ኣብ አሱር-ቤት ምስራታ ከኣ ክልተ ዓመታት ጌሩ። ሕጂ ግን ሽወደን ናይ ምስግጋር ጠለቡ ተቐቢላቶ ኣላ። ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ናይ’ዚ ናትና ምብጻሕ ናብ ምስራታ ማለት ኣብ 27 ሕዳር 2008 ምስ 26 ኤትራውያን ካብኣቶም ከኣ ብዙሓት ደቂንስትዮ ክብገሱ’ዮም። ጉዳይ ምስግጋር እቲ እንኮ UNHCR ኣብ ሊብያ ክጻወቶ ዝከል ተራ’ዩ። አቶም ቀዳሞት 34 ኤርትራውያን ኣብ ሕዳር 2007 ካብ ምስራታ ናብ ኢጣልያ ተሰጋጊሮም። ድሕሪ ናይ ቺለ ቅልውላው ብ1973 ዝነበረ ምስግጋር: ኢጣልያ ትገብሮ ምስግጋር አዚ ናይ መጀመያ’ዩ። እዚ መስርሕ አዚ ብቤት ጽሕፈት ናይ ኢጣልያ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ዝተዳለወ ኮይኑ፡ ዕላማኡ ከኣ ካብ የማናዊ ክንፊ ሰልፍታት ናይ ኢጣልያ ክመጽእ ዝኽአል ክትዕ ንምውጋድ’ዩ።
ካብ’ዚ ንደሓር ከባቢ 200 ዝኮኑ ስደተኛታት ካብ ምስራታ ተሰጋጊሮም፡ ኢጣልያ (70)፡ ሩማንያ (39)፡ ሽወደን (27)፡ ካናዳ (17)፡ ኖርወይ (9)፡ ከም’ኡ ድማ ስዊዘርላንድ (5)። እዚ ኣሃዝ’ዚ ዝሃበኒ ሰብ ኦሳማ ሳዲቅ ይበሃል። ኣወሃሃድቲ ፕሮጀክት ኣብ IOPCR ዝተባህለ ትካል’ዩ። አዚ ጉጅለ’ዚ ዘይመስግስታዊ ትካል’የ እዃ ዝብል እንተኾነ፡ ኣባላቱ ግና ሓለፍቲ መንግስትን ጸጥታን’ዮም። ስለዚ ኣብ ትሕቲ ጽላል ናይ IOPCR ኮይኑ’ዩ እምበኣር UNHCR ናብ ምስራታ ምብጻሕ ዝኽእል። ኣብዛ ዓመታዊ ብኣሽሓት ኤርትራውያን፡ ሱዳናውያን፡ ሶማላውያንን ኢትዮጵያውያንን ስደተኛታት ትስንጠቕ ሃገር፡ UNHCR ካብ ሓደ ተራ ዘይምስግስታዊ ትካል(NGO) ንታሕቲ ስልጣን ኣሎዎ። ግን ከኣ ሊብያ ኣብ ናይ UN ውዕላት ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ዘይፈረመት ከላ’ያ ንህላወ UNHCR ኣብ መሬታ ኣፍቂዳ፡ ወላ’ውን ብዘይ ወግዓዊ ውዕል። ንምፍታሕ ሰደተኛታት ካብ ምስራታ ከኣ ኣብ ዲፕሎማሲያዊ ሚዛን ምዝንባል ከምጽእ ይክእል። ምኽንያቱ UNHCR ኣብ ሊብያ ወላ ንሊብያ ከይነቐፍካ ብትሑት ዓቅሚ ምስራሕ ስለዝመርጽ።

Soldato libico di fronte alla sede dell'Acnur a Tripoliብዝኮነ ግና መብዛሕቲኦም እዞም ተኣሲሮም ዘሎዉ ስደተኛታት፡ ብUNHCR ናይ ምስግጋር ዕድል የብሎምን። ስለዚ እታ ሓንቲ ዘላቶም ዕድል ካብ’ቲ እሱር-ቤት ኣምሊጥካ ምውጻእ’ዩ። ኩብሮስ ከኣ ሓደ ካብ ዝተዓወቱ’ዩ። ኣብ ቅድሚ ሳን ፍራንቸስኮ ቤተ-ክርስትያን ኣብ ከባቢ ዳሃራ ትሪፖሊ ድሕሪ ቅዳሴ’የ ረኺበዮ። ገለ መስርዕ ኤርትራውያን ካሪታስ ክኽፈት ይጸበዩ ኔሮም። ኩብሮስ ኣብ ምስራታ ሓደ ዓመት ተኣሲሩ። ካብ ከባቢ ኣቡሰሊም ከኣ ተገፊፉ ተኣሲሩ። ካብ አሱር-ቤት ናብ ሕክምና ምስ ኣውጸእዎ ከኣ ከምልጥ ክኢሉ። ናብ ትሪፕሊ ምስ መጸ’ውን እንተኾነ ንካልኣይ ግዚኡ ኣብ ትዌሻ ዝበሃል ኣብ ጥቓ መዓርፎ ነፈርቲ ተኣሲሩ። ኣዕርኹ 300ዶላድ ኣዋጺኦም ከኣ ንፖሊስ ብምክፋል ኣውጺኦሞ። ኣብ ጥቃኡ ከኣ ታድሮስ ኮፍ ኢሉ ኔሩ። ታድሮስ ካሊእ ኤርትራዊ ካብ ቤት-ማእሰርቲ ሱርማን ዝወጸ’ዩ። ንሱ ኣብ ማእከል ባሕሪ ናብ ላምፓዶዛ አንዳተጓዕዘ ተታሒዙ፡ ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ዝተእስረ’ዩ። ኣብ እሱር-ቤት ከሎ ከኣ ብዙሕ ሕማም ቆርበት ተሳቅዩ። ናብ ከባቢ ጉርጂ ዝበሃል ገዛውቲ ኣብ ትሪፖሊ ብዙሓት ኤርትራውያን ዝቕመጥሉ ክወስደና ምስ ሓተትናዮ ግና፡ ሓደገኛ’ዩ ኢሉና። ኤርትራውያን ተሓቢኦም’ዮም ዝነብሩ። ናትና ህላወ ፖሊስን ግፋን ከምጽኣሎም ይክእል። Y ግን ደሓን ኢሉና፡ ኣብ ካልእ ከባቢ’ዩ ዝነብር፡ ተኸቲልናዮ ከኣ።
እታ ዝነበርናያ ታክሲ ኣብ ሓደ ረሳሕ ናይ መበል ዓሰርተ ሓደ ጎደና ዝበሃል ናይ ጉርጂ ጽርግያ ደው በለት። ወነንቲ’ቲ ገዛ ጫዳውያን ኮይኖም ክልተ ገዛ ንኤርትራውያን የካርዩ። ክንኣቱ ከሎና ጫማና ኣውጺእና ነቲ ምንጻፍ ሓሊፍናዮ። ሓሙሽተ ሰባት ብሓንሳብ ዝነብሩ ኮይኖም፡ እታ ቴለቭዥን ከኣ ብዓቢ ሸሓነ ናይ ኤርትራ ሙዚቃ ተርኢ ጸኒሓትና። ሕጂ ቁሩብ ውሕስነት ኣሎው’ቲ ገዛ፡ ምኽንያቱ አቶም ዋኖት ኣብ ሊብያ ነዊሕ ዝተቀመጡ ጫዳውያን ስለዝኾኑ። ቅድሚ ሕጂ እዞም ስደተኛታት ኣብ ከባቢ ዓስራይ ጎደና’ዮም ዝነብሩ ኔሮም። ድምጺ ናይ ፕሊስ መኪና ክሰምዑ ከሎዉ ጸጥ ይብሉ። ኣብ’ቲ ገዛ ቺኮላታ፡ ባኒ ብጸብሒ ከምኡ ድማ ጽማቝ ኩኽን 7-UPን ኣአንጊዶምና።

Messa africana alla chiesa di San Francesco, a Tripoliብዛዕባ ተመኩሮኦም ኣብ ናይ ሊብያ አሱር-ቤታት ከኣ ዕላልና ቀጺልና። ኩላቶም ከኣ ተወሓደ ሓንሳብ ተኣሲሮም ዝነበሩ’ዮም። ዕድመ ንብልሽውና ከኣ ኩላቶም ከምልጡ ክኢሎም። ካብ 200 ክሳብ 500ዶላር ኣቢሉ ዝኽውን ገንዘብ የድልየካ፡ ብድሕሪ’ዚ ንፖሊስ ከፊልካ ትወጽእ። ገንዘብ ካብ ኣብ ወጻኢ ማለት ኣብ ኤውሮፓን ኣመሪካን ዝርከቡ ናይ ኤርትራውያን ሓገዝቲ ብ መንገዲ Western Union ይመጽእ።
ሮቤል ከኣ ኣብ ምስራታ ንሓደ ዓመት ጸኒሑ። ብUNHCR ዝተዋህቦ ናይ ዑቅባ ወረቐት ኣርእዩና። ክሳብ ዕለት 11 ግንቦት 2009 ከኣ ከተገልግል’ያ። ግና እዛ ሒዝዋ ዘሎ ወረቀት ፈጺማ ውሕስነት ኣይትህቦን’ያ፡ “ ሓደ ዓርከይ ፖሊስ ወረቐቱ ቀዲዶም ኣሲሮሞ” ይብል። ተኣሲሩ ኣብ ዝነበረሉ ዝነበረ እዋን ምስ ካልኦት ኤርትራውያን ኮይኑ ናብ ማሕበረሰብ እለም ናይ ጥርዓን ወረቀት ጽሒፉ ኔሩ’ዩ።


ኣብ መንደቅ ናይ’ቲ ገዛ፡ ኣብ ጥቃ ናይ ኢየሱስ ስእሊ፡ ሓንቲ ናይ ቁሩብ ዓመታት ዕድመ ዘለዋ ህጻን ሰእሊ ብጸሊምን ጻዕዳን ሕብሪ ኣላ። ደሊና ዝብል ሽም ከኣ ገለ ሰብ ጽሒፉላ። ይፈልጣ’የ። ምስ ታድሮስ ኣብ ቅድሚ በተክርስትያን ክትጻወት ርእየያ ኔረ። ንሳ ውን ከም ኩሉ ሰብ ኣብ ባሕሪ ሂወታ ኣብ ሃደጋ ከተእቱ’ያ ማለት’ዩ። “እቲ ዝዓበየ ነገር ኣብ ዓለም ለኻዊ ባሕሪ ምብጻሕ’ዩ” ይብል Y.። እቶም ኤርትራውያን ደላሎ ናይ ባሕሪ ዝተፈላላዩ’ዮም። ገለ እሙናት ኣሎዉ ገለ ከኣ ዘይእሙናት። ግና’ቲ ሓደጋ ኩሉ ግዜ ዓሚ’ዩ። ናብ ማልታ ምስተመለስኩ ብዛዕባ ኩሉ’ዚ ካብ ምሕሳብ ኣየቛረጽኩን። ብምቾት ኮፍ ኢለ፡ ቁሩብ ከኣ ተሰላቺየ ከለኹ ከኣ፡ ኣብ ትሪፖሊ ናይ ዝረኸብክዎም ኤርትራውያን ናይ ኢ-መይል ኣዳራሻ ፈቲሸ ክጽሕፈለም ኔሩኒ። ቅድሚ ሓደ ወርሒ፡ ሓደ ኢትዮጵያዊ ዓርከይ ቴለፎን ናይ ሓደ ገብሪኤል ዝበሃል ኣብ ትሪፖሊ ዝርከብ ዘይዕዉት ፈተነ ምስጋር ባሕሪ ዝገበረ ሂቡኒ። ብዙሕ ግዜ ክረክቦ ፈቲነ፡ አንተኾነ ግና እታ ተሌፎን ኩሉ ግዜ ዕጽውቲ’ያ ነራ። ክትርደኦም ዝይትኽእል መልእኽታታት ዓረብ ትራይ ትህበኒ ኔራ። ተስፋ አገብር ኣብ ጣልያን ወይ ሊብያ ኣብ ውሑስ ኩነታት ክህሉ። ግና… ክኸውን የብሉን። ጽቡቕ ዕድል ደሊና!