እዚ ቀጺሉ ዝስዕብ መግለጺ ከምዘመልክቶ፡ ካብ 1988ዓም ብውሕዱ 19,144 ሰባት ኣብ ገማግም ኤውሮጳ ሞይቶም። ካብዚኦም 8,822 ኣብ ባሕሪ ዝሞቱ'ዮም። ኣብ ባሕሪ ሜድትራንያንን ኣትላንቲካዊ ውቅያኖስ ብሸነኽ ስጳኛን ከኣ 14,309 ስደተኛታት ሞይቶም። ኣብ ከባቢ ወሽመጥ ሲሲሊ 6,837 ሰባት ካብ ሊብያ፡ ግብጽን ቱኒዝያን ናብ ማልታን ኢጣልያን ንምብጻሕ ክሞቱ ከለዉ ገለ 5,086 ካብኣቶም ደሃዮም ዝጠፍአ'ዩ፡ ካልኦት 229 ሰባት ድማ ካብ ኣልጀርያ ናብ ሳርዲንያ እናተጓዓዙ ጥሒሎም።ካብ ማውሪታንያ፡ ሞሮኮን ኣልጀርያን ናብ ስጳኛ ብ ደሴታት ካናሪ ወይ ጊብራልታር ስትረይት ኣቢልካ ኣብ ዝግበር ጉዕዞ ከኣ ብውሕዱ 4,899 ሰባት ሞይቶም፡ ካብዚኦም እቶም 2,562 ደሃዮም ዘይተኽበ'ዮም።ኣብ ባሕሪ እጊያን…ኣብ መንጎ ቱርክን ግሪኽን ዝርከብ… 1,504 ሰባት ሞይቶም፡ ብካልእ ወገን ድማ ኣብ መንጎ ግብጽን ግሪኽን 842 ሰባት ክጠፍኡ ከለዉ፡ ኣብ ባሕሪ ኣድሪቲክ 705 ሰባት ሞይቶም። ኣብ መንጎ ኣልባንያ፡ ሞንተኔግሮን ኢጣልያን ከባቢ 310 ሰባት ጠፊኦም።
ምድረ-በዳ ሳሃራ ከኣ እቲ ባሕሪ ንምብጻጥ ናይ ግድን ክሕለፍ ዘልዎ ሓደገኛ ጉዕዞ'ዩ። ካብ ሱዳን፡ ጫድ፡ ኒጀርን ማሊን ዝተበገሱ ሰባት ናብ ሊብያን ኣልጀርያን ንምብጻሕ ካብ ጽርግያ ወጻኢ ዝጎዓዛ መካይን ተጠቂሞም ይጎዓዙ። ኣብ'ዚ፡ ካብ 1996 ንደሓር ጥራይ 1,703 ሰባት ሞይቶም ኣሎዉ። እቶም ብህይወት ዝደሓኑ ከም ዝምስክርዎ ግና ዳርጋ ነፍሲ ወከፍ ጉዕዞ ህይወት'ዩ ዝኽፈላ። [...]
ምድረ-በዳ ሳሃራ ከኣ እቲ ባሕሪ ንምብጻጥ ናይ ግድን ክሕለፍ ዘልዎ ሓደገኛ ጉዕዞ'ዩ። ካብ ሱዳን፡ ጫድ፡ ኒጀርን ማሊን ዝተበገሱ ሰባት ናብ ሊብያን ኣልጀርያን ንምብጻሕ ካብ ጽርግያ ወጻኢ ዝጎዓዛ መካይን ተጠቂሞም ይጎዓዙ። ኣብ'ዚ፡ ካብ 1996 ንደሓር ጥራይ 1,703 ሰባት ሞይቶም ኣሎዉ። እቶም ብህይወት ዝደሓኑ ከም ዝምስክርዎ ግና ዳርጋ ነፍሲ ወከፍ ጉዕዞ ህይወት'ዩ ዝኽፈላ። [...]
74 ኤርትራውያን ኣብ መንጎ እቶም ብ ሓደ ሓምለ ናብ ሊብያ ዝተመልሱ 89 ስደተኛታን | |
ግዱድ ዕዮን ስቅያትን ኤርትራውያን ጥሩዛት ካብ ሊብያ | |
ጭብጢ ግፍዒ ስደተኛታት ኣብ ሊብያ፡ ኣብ 15 ስእልታትርማ- ኣብ መወዳእታ ኣብ ቢንቃዚ ዝተካየደ ቅትለት ዘርእዩ ስእልታት ክንረክብ ክኢልና። ብዙሕ ዝርዝራት ዘይብለን ዓሰርተ-ሓሙሽተ ኣሳእል በተን ካብ ፈተሻ ሊብያውያን ዘምለጣ ሞባይል ቴለፎናት ተሳኢሉ። ብዙሓት ሰባት ብካራ ዝተጎድኡ ከኣ የርእየና። ኩላቶም ሶማላውያን ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ኮይኖም፡ ነቲ ነዊሕ ሳሃራ ሊብያ ሰንጢቆም ብቀጥታ ናብ ላምፓዶዛ ገጾም አንዳገስገሱ ኣብ ጋንፉዳ ጥቃ ቢንቃዚ፡ ዝተኣስሩ ኢዮም። ኣብ ቀላጾም ዘሎ ሓዲሽ ቁስሊ፡ ኣብ እግሮም ዘሎ ገና ተኸፊቱ ዝርከብ ቁስሊ፡ ኣብ ሕቆኦምን ርእሶምን ዘሎ ባንዳጅ ክረአ ይከኣል። ክዳውቶም ገና ደም ሰትዩ ይርከብ። ኣብ ነሓሰ 11፡ ናይ ሶማልያ ዌብ-ሳይት ሻበለ፡ ነዚ ኣብ ቢንቃዚ ብሊብያውያን ፖሊስ ዝተካየደ ህልቂት ዜናታት ምስ ኣውጸአት፡ ኣምባሳደር ሊብያ ኣብ ሞቃዲሾ ራቢቕ ቻንሹር ብምልኡ ክሒድዎ። ኣብዚ ሕጂ አዋን ግና ነዞም ስእልታት አዚኦም ንምኽሓዶም ኣጸጋሚ ኢዩ። | |
ሊብያ፡ ዝተጠረዙ ስደተኛታት ቃሎም ይህቡ፡ “ ተቀጥቂጥና ናብ ሳሃራ ተሰጉግና”![]() | |
ዶባት ሳሃራ፡ መዳጎኒ እሱር-ቤታት ኣብ ናይ ሊብያ ምድረ-በዳ | |
ጓንታናሞ ሊብያ፡ እቲ ሓዲሽ ናይ ኢጣልያ ፖሊሲ | |
ሊብያ፡ ኣብ ውሽጢ መዳጎኒ ስደተኛታት ምስራታ![]() | |
ናብ ሊብያ ዝተመልሱ፡ ሓበርቲ ስእልታት ካብ ወገን ፓሪስ ማችሮማ፡ ሰነ 28፡ 2009- ኣብታ ብዕለት 13 ግንቦት 2009 ከባቢ 90 ዝኾኑ ስደተኛታት ግዳያት ብ ቦቪንዞ ዝተባህለት ናይ ኢጣልያ ሓለዋ ብሓሪ መርከብ ዝደሓኑ እሞ ናብ ትሪፖሊ ዝተመልሱ፡ ጋዜጠኛ ፍራንኮይስ ደ ላባረን ሰእላይ ኢንሪኮ ዳግኒኖን ዝተባህሉ ካብ ናይ ፓሪስ ማች መጋዜን ይርከቡ። ኣብዛ ትስዕብ ቪድዮ ከኣ እቲ ሓባሪ ዛንታታቶም ነቕርበልኩም፡ ኣብ Immigrants: a shattered dream ዝብል ጽሁፋት ከኣ ምንባብ ይከኣል። |