10 December 2008

ጓንታናሞ ሊብያ፡ እቲ ሓዲሽ ናይ ኢጣልያ ፖሊሲ

Centro di detenzione di Zlitanትሪፖሊ- እቲ ሓጺናዊ ማዕጾ ዕጹው’ዩ ዘሎ። በታ ንእሽቶ ከፋት ናይታ ማዕጾ ከኣ ገጽ ናይ ክልተ ኣፍሪቃውያንን ሓደ ግብጻውን ክርኢ ክኢለ። ብሰንኪ እቲ ካብ ውሽጢ’ቲ ገዛ ዝወጽእ ብርቱዕ ጨና ሓንሳብ ደው ምባል ክሳብ ዝስእን ኮይነ። ሓንሳብ ክእለዩ ምስ ሓተትኩዎም’የ እምበኣር ኩላ እታ ክፍሊ ክሪኣ ዝኸኣልኩ፡ ሰለስት ብ ሸሞንተ ሜትሮ ኣቢላ ትኸውን። ከባቢ ሰላሳ ዝኾኑ ሰባት ከኣ ኣብ ርእሲ ርእሲ ተጸፋጺፎም ኣሎዉ። ዓራት የብሎምን፡ ኣብ ረሳሕ ፍርናሻትን ምንጻፍን’ዮም ዝድቅሱ። ኣብቲ መንደቕ ከኣ ገለ ሰባት ጓንታናሞ ኢሎም ጽሒፎም ይርከቡ። እንተኾነ ግና ኣብ ናይ ሕ.መ.ኣ መደበር ኣይኮናን ዘሎና፡ ኣብ ዘለጤን ሊብያ ኢና ዘሎና። እቶም እሱራት ከኣ ጥርጡራት ግብረ-ሽበራ ዘይኮኑስ ኣብ ደቡባዊ ሸነኽ ናይ ላምፓዱዛ ዝተታሕዙ ስደተኛታት’ዮም።

Centro di detenzione di Zlitanብድሕሪ’ቲ ማዕጾ ኮይኖም ከኣ ብብርቱዕ ይደፍእዎ ኔሮም። ካብ ዝእሰሩ ክሳብ ሕጂ ዝኮነ ሰብ በጺሕዎም ኣይፈልጥን። ሓደ ካብኣቶም ከኣ ድምጹ ዓው ኣቢሉ፡ “ሓግዘና” በለ፡ ሓደ መንእሰይ ከኣ በታ ንእሽቶ ከፋት ኢዱ ኣውጺኡ፡ ሓንቲ ብኢድ ገለ ቁጽሪ ተለፎናት ዝተጻሕፋ ንእሽቶ ቁራጽ ባኮ ሂቡኒ። እቲ መእተዊኡ ከም ዝሕብሮ ከኣ ናይ ጋምብያ’ዩ፡ ኣነ ከኣ ሓቢኤ ኣብ ጁባይ ኣእቲየያ፡ እቶም ፖሊስ ከይሪኡኒ። ሽሙ ኦትማን’ዩ ዝበሃል፡ ንኣዲኡ ብህይወት ከም ዘሎ ክነግረሉ’ዩ ሓቲቱኒ፡ ምኽንያቱ ኣብዚ ካብ ዝዕጾ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ሓሊፉ ኣሎ። ፋብሪክ እንተኮነ ውን ኣብዚ አሱር-ቤት ትሽዓተ ኣዋርሕ ገይሩ ኣሎ። ክልቲኦም ከኣ ካብ ትሪፖሊ ካብ ሓደ ከባቢ’ዮም ብግፋ ናይ ስደተኛታት ተታሒዞም ኣብዚ ኣትዮም። ግን ከኣ ሊብያ ቅድሚ ሓያለ ዓመታት’ያ ደቡባዊ ገማግም ኤውሮጳ ክትሕልወሎም ቅርብቲ ኮይና። ብዝኾነ ይኹን ተኣምር ማለት’ዩ። ኣብ ዓመተ 2003፡ ኢጣልያ ምስ ቃዛፊ ውዕል ብምፍራም ፈጣናት ጀላቡ፡ መካይን፡ ከረጺት ናይ ሬሳታትን ከምኡ ድማ ምወላ ቤት-ማእሰርትታትን ናይ ምጥራዝ በረራታትን ክትሕግዝ ጀሚራ። ካብዚ ንደሓር’ዮም እምበኣር ዓሰርተታት ኣሸሓት ስደተኛታት ኣብ ሊብያ ክእሰሩን ኣብ ኣዝዩ ዘይሰብኣዊ ኩነታት ክተሓዙን ዝጀመሩ።

Centro di detenzione di Zlitan“ሰባት ኣብዚ ይሳቀዩ ኣሎዉ፡ መግቢ ኣዝዩ ሕማቕ፡ ማይ ከኣ ኣዝዩ ረሳሕ’ዩ። ሓሚምና ኣሎና፡ ነፍሰ-ጾራት’ውን ኣሎዋና”። ጊፍት ጓል 29 ዓመት ናይጀርያዊት’ያ። ቅድሚ ሰለስተ ኣዋርሕ ምስ በዓል ቤታ ኣብ ጽርግያ አናኸዱ ከለዉ’ዮም ተታሒዞም። ኣብ ትሪፖሊ ክልተ ቆልዑ ገዲፎም’ዮም ተኣሲሮም፡ ደዊላ ክትረኽቦም’ውን እንተኾነ ኣይፍቀደላን። በዓል ቤታ ከኣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ሃገሩ ተጠሪዙ። ንሳ ግና ኣብዚ’ያ ዘላ፡ ንበይና፡ እተን ቕድሚ ሰለስተ ኣዋርሕ ክትተሓዝ ከላ ተኸዲናተን ዝነበረት ክዳውንቲ ተኸዲና። ኣቐዲማ ኣብ ሊብያ ኣብ ቁንጅና-ሳሎን እንዳሰርሐት ንሰለስተ ዓመታት ክትነብር ጸኒሓ’ያ፡ ከም ብዙሓት ኣብዚ ዘሎዉ ሰባት ከኣ ናብ ኢጣልያ ብባሕሪ ናይ ምስጋር መደብ ዝበሃል ኣይነበራን።

Il direttore del campo di Zliten, Ahmed Salimኩነታት Y. ግና ከሙ ኣይኮነን፡ ምኽንያቱ ሕልሙ ኤውሮጳ ንምብጻሕ ስለዝኾነ። ኣብ ኤውሮጳ ፖለቲካዊ ዑቕባ ንምሕታት ካብ ውትህድርና ሃዲሙ ዝወጸ ኤርትራዊ’ዩ። ብሊብያውያን ፖሊስ ኣብ ባሕሪ ድሕሪ ምትሓዙ ኣብ ዝለጤን ተዓጽዩ። ናብ ቤት-ጽሕፈት’ቲ ኣማሓዳሪ -ኣሕመድ ሳልም- ቅድሚ ምእታውና፡ ሓደ ፖሊስ ገለ ምልክት ስለዝገበረሉ ከኣ፡ ብዛዕባ’ቲ ኩነታት እሱር-ቤት ምስ ሓተትናዮ ብብርቱዕ ድምጺ “ኩሉ ነገር ጽቡቅ ኣሎ” ኢሉ፡ ስለዝፈርሐ’ዩ። ንሱ ገለ ሕማቅ እንተተዛሪቡ ክግረፍ ምዃኑ ይፈልጥ’ዩ። እቲ ኣማሓዳሪ ከኣ ኣብ ቅድሚኡ ፍሽኽ ብምባል ነዚ ክጥርዝዎ ዘይምዃኖም ኣረጋጊጹልና። ኣብ ውሽጢ እዛ ትመጽእ ዘላ ሰሙን ናብ ምስራታ ዝተባህለ ካልእ እሱር-ቤት ክሰጋገር’ዩ፡ ገለ 210ኪ.ሜ. ምብራቕ ካብ ትሪፖሊ ኮይኑ ኩላቶም ኤርትራውያን ብጻዕቂ ዝእሰርሉ ማአከል ኢዩ።

Mezzi di pattugliamento al centro di Zuwarahኣብ ዞባ ዝለጤን ጥራይ ካልኦት ሰለስተ አሱር-ቤታትት ስደተኛታት ኣሎዋ፡ ኣብ ኩሙስ፡ ጋራቡሊን ቢን-ኡሊድን። እዜን እሱር-ቤታት ብዕብየተን ናእሽቱ ኮይነን እሱራት ናብቲ ከባቢ 325 ሰባት ዝሕዝ ዝለጤን ክሳብ ዝሰጋገሩ ኣብዚ ይጸንሑ። ግና ክንደይ ዝኣክል እሱር-ቤታት’ዩ ኣብ ሊብያ ዘሎ? ብመሰረት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝኣከብናዮ ጭብጥታት ከባቢ 28 አሱር-ቤታት ብጻዕቂ ኣብ ገማግም ባሕሪ ተደኩነን ይርከባ። ብሓፈሻ ከኣ ሰለስተ ዓይነት ማእከላት ኣሎዋ። መዳጎኒ መዓስከራት ከም ሰብሃ፡ ዝለጤን፡ ዛውያ፡ ኩፍራን ምስራታን እሱራት ስደተኛታት ብጻዕቂ ዝዳጎኑለንን ክሳብ ዝጥረዙ ዝጽበዩለንን ኢየን። ካብኣተን ዝነኣሳ ማእከላት ከኣ ከም ዃትሩን፡ ብራክ፡ ሻት፡ ጋትን ኩሙስን ኮይነን ስደተኛታት ክሳብ ናብ ዓበይቲ እሱር-ቤታት ዝሰጋገሩ ንሓጺር እዋን ዝተሕዙለን’የን። ካልኦት ከም ጀዲዳ፡ ፈላሕ፡ ትወሻን ኣይን-ዛራህን… እተን ቀንዲ ፍሉጣት እሱር-ቤታት ማለተይ’የ… ኩላተን ንዘይሕጋውያን ወጻአተኛታት ዝተሓዝኣ ከኣ ኢየን። እታ ኣዝያ ፍልጥቲ እሱር-ቤት ዝነበረት ፈላሕ ኣብ ውሽጢ ትሪፖሊ ትርከብ፡ ሕጂ ሓዲሽ ህንጻ ይስረሓላ ኣሎ፡ እዚ ኣካል ናይ’ቲ ነታ ከተማ ናይ ምህናጽ መደባት’ዩ። ኣገልግሎታ ከኣ ብኣብ ከኣባቢ መዓርፎ ነፈርቲ ትርከብ ትወሻ ተተኪኡ ይርከብ።

La chiesa di San Francesco, a Tripoliኹብሮስ ካብ ትወሻ ከምልጥ ዝከኣለ ቅድሚ ገለ ሳምንታት’ዩ ኔሩ። ንሱ ወዲ 27 ዓመት ኤርትራዊ ኮይኑ ኣብ ሱዳን’ውን ይቕመጥ ኔሩ’ዩ። ሓደ ዓርኩ ካብ ካርቱም ተጠሪዙ ምስ ተመልሰ ግና፡ ናብ ውሑስ ቦታ ማለት ናብ ኤውሮጳ ክስደድ ወሲኑ። ካብ ትወሻ ከኣ ብምርኩስ ወጽዩ።ንሱ ብዝሰተዩ ፖሊስ ገንዘብ ሃባ እንዳበሉ ብኸቢድ ከም ዝቐጥቅጥዎ ይዛረብ። መተኣስርቱ ኤርትራውያን ገለ ገንዘብ ኣዋጺኦም ከኣ ንመውጸኢ ሓጊዞሞ። $300 ንሓደ ሓላዊ እኩል ኔሩ። ኣብ ቅድሚ ሳን ፍራንቸስኮ ቤተክርስትያን’የ ረኺበዮ። ከም ኩሉ ግዜ ዓርቢ፡ ገለ ሓምሳ ዝኾኑ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ካሪታስ ክኽፈት ይጽበዩ ኔሮም። ታድሮስ ድማ ሓደ ካብኣቶም’ዩ። ዝሓለፈ ጥቅምቲ’ዩ ካብ እሱር-ቤት ሱርማን ተፈቲሑ። ሓደ ካብቶም ብቤት-ፍርዲ ዝተፈርዱ ስደተኛታት ስለዝነበረ ከኣ ዝያዳ እቲ ናቱ ታሪኽ ተገዲሰሉ። ኣብ 2008’ዩ፡ ካብ ዛዊያ ገለ 90 ሰባት ተበጊሶም፡ ድሕሪ ገለ ሰዓታት ጉዕዞ ግና ብሰንኪ ብርቱዕ ማዕበል ክምለሱ ወሲኖም፡ ተኣሲሮም ከኣ። ብዘይሕጋዊ ስደት ተኸሲሶም ከኣ እቲ ፈራዲ ን5 ኣዋርሕ ማእሰርቲ በይንሎም። ጠበቃ ተገሩሎም ኔሩ እንተኮይኑ ምስ ሓተትኩዎ ግና ፍሽኽ ብምባል ርእሱ ነቕኒቑ፡ ኣይፋል ማለቱ’ዩ።

እዚ ሓዲሽ ነገር ኣይኮነን ይብል ጠበቓ ዓብዱ-ሰላም እዳይሚሽ። ሕጊ ሊብያ ነቶም ትሕቲ ሰለስተ ዓመት ዘቅጽዑ ገበናት ነጻ ሕጋዊ ባይታ የብሉን። እዳይሚሽ ኣከያዲ ባር ትሪፖሊ ኢዩ። ኣብ ጎደና ሓደ መስከረም ኣብ ዝርከብ ቤት-ጽሕፈቱ ከኣ ተቐቢሉና። ንጥፈታት ምትሓዝን ምእሳርን ስደተኛታት ዝኮነ ሕጋዊ ባይታ ወይ ከኣ ናይ ቤት-ፍርዲ ደገፍ ከም ዘይብሉ ከኣ ገሊጹልና። ዝኾነ ሊብያዊ ዜጋ፡ ከምቲ ሕጊ ዝብሎ ብዘይ ወግዓዊ ውሕስነት እሱር-ቤት፡ ናጽነቱ ክገሃስ ኣይፍቀድን’ዩ። ጉዳይ ወጻእተኛታት ግና ከም’ኡ ኣይኮነን። ግፋ ልሙድ ኮይኑ፡ እቲ ንጥፈታት ከኣ ገዛ-ገዛ አንዳኣተኻ ካብ ከተማ ትሪፖሊ ምእሳር’ዩ።

Pattuglie a Zuwarah“ስደተናታት ግዳይ ጭቆና ኣብ መንጎ ክሊቲኡ ገማግም ባሕሪ ሜድትራንያን’ዮም። ኤውሮጳ ጸገማት ጸጥታ ጥራይ’ያ ትርኢ ዘላ፡ ብዛዕባ መሰሎም’ግን ዝዛረብ የለን”። ጂምዓ ዓቲጋ’ውን ምሁር ሕጊ ኮኑ ኣብ 1983 ኣብ ሮማ ተመሪቁ። ካብ 1999 ጀሚሩ ከኣ ነታ ብቦኽሪ ወዱ ንቃዛፊ ዝተመስረተት ሰይፍ-ኣል-ኢስላም ዝተባህለት ማሕበር ሰብኣዊ መሰላት ኣቦ-መንበር ኮይኑ። ኣብ 2007 ከኣ ኣቋሪጹ። ኣቦ-መንበር ኣብ ዝነበረሉ አዋን ከኣ ሃገራዊ ወፍሪ ብምምራሕ ን1000 ዝኾኑ ፖለቲላውያን እሱራት ኣፍቲሑ። ንሱ፡ እታ ሃገር ኣብ ኣዝዩ ቅልጡፍ ለውጢ ከም ትርከብ፡ ግን ከኣ ካብ ምኽባር ውልቃውን ፖለቲካውን ናጽነት ኣዝያ ርሒቃ ከም ዘላ ይዛረብ። ዓቲጋ ብዛዕባ ኩነታት ምድጓን ኣብ ሊብያ ብዙሕ’ዩ ዝፈልጥ፡ ካብ 1991 ክሳብ 1998 ብዘይ ዝኾነ ፍርዲ ከም ፖለቲካዊ እሱር ተዳጉኑ ኔሩ’ዩ። ኩነታት ምስቃይ ኣብ ሊብያውያን ፖሊስ ኣዚዩ ልሙድ ምዃኑ’ዩ ነጊሩና። “እቶም ፖሊስ ኣፍልጦ ዝበሃል የብሎምን ፡ ግና ሰባት አንዳ-ኣሳቀዩ ንፍትሒ ዘገልግሉ ዘለዉ ኮይኑ’ዩ ዝስመዖም”።

ሙስጦፋ ኦ.ዓቲር ውን ተመሳሳሊ ሓሳባት ኣለዎ። ኣብ ትሪፖሊ ዩኒቨርሲቲ ኣል-ፋታሕ ናይ ስነ-ሕብረተሰብ ፕሮፈስር’ዩ። “እዚ ጉዳይ ዓለትነት’ውን ኣይኮነን፡ ሊብያውያን ንስደተናታት ለዋሃት’ዮም፡ አዚ ጉዳይ ፖሊስ’ዩ”። ዓቲር ዝዛረቦ ዘሎ ዝፈልጥ’ዩ። ኣብ 1972፡ 1984ን ኣብ 1986 ንመጽናዕቲ ናብ እሱር-ቤታት ሊብያ በጺሑ ኔሩ’ዩ። ንሱ፡ “ሊብያውያን ፖሊስ ትምህርቲ የብሎምን፡ ትምህርቶም ከመይ ጌርካ ከም ትቐጽዕ ጥራይ’ዩ” ይብል።

Parrucchiere ghanese a Tripoliብሃንደበት ቃላቱ ብዛዕባ ኣብ መዲና ዘሎዋ ጋናውያን መሻጦ፡ እቲ ጫዳዊ ሰፋዪ፡ ሱዳናዊ በዓል ዱኳን፡ ግብጻውያን ኣሳሰይቲ፡ ሞሮካውያን ኣዋልድ ኣብ ቤት መግብታትን ካሎት ኣፍሪቃውያን ከኣ ጽርግያታት ዘጽርዩ ኣዘኪሩኒ። ኤርትራውያን ግና ብኣንጻሩ ኣብ ክርምያን ጉርጂን ዝተባህለ ቦታታት ተሓቢኦም’ዮም ዝነብሩ። ካሎኦት ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ግና ወላ ደኣ ይምዝመዙ ይሃልዉ እምበር ኣብዚ ከባቢ አንዳሰርሑ’ዮም ብተዛማዲ ሰላም ዝነብሩ። ብርግጽ ንሱዳናውያንን ጫዳውያንን ኩሉ ነገር ቀሊል’ዩ፡ ምኽንያቱ ዓረብ ዝዛረቡ እስላም’ዮም። ኣብ ሊብያ ንዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ክነብሩ ስለዝጸንሑ ተለሚዶም’ዮም። ግብጻውያንን ሞርካውያንን’ውን ከምኣቶም። ግዳ ንኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ከምኡ ኣይኮነን። ኣብዚ ናብ ኤውሮጳ ንምስጋር ጥራይ’ዮም ዘለዉ፡ መብዛሕቲኡ እዋን’ውን ዓረብ ኣይእሉን። ዝበዝሑ ከኣ ክርስትያን’ዮም። ኣባሕጎታቶም ከኣ ኣብ ጎድኒ ኢጣልያውያን ገዛአቲ ኮይኖም ምስ ሊብያውያን ተዋጊኦም ኔሮም’ዮም። እቲ ንመስገሪ ብሕሪ ኢሎም ኣብ ጁባኦም ሒዞሞ ዝጎዓዙ ገንዘቦም ከኣ ፍቀዶ ጽርግያታት ይሕደጉ። ንናይጀርያውያንን ካሎኦት እንግሊዝ ዝዛረቡ ናይ ትሕተ-ሳሃራ ስደተኛታት’ውን ዝተፈልየ’ዩ። ናብ ኤውሮጳ ይፈትኑ ኣይፈትኑ ብዙሕ ለውጢ የብሉን። ኣብ ልዕሊ ናይጀርያውያን ዘሎ ዓሊትነት ምስ ሊብያውያን ክወሃሃዱ ኣይክእሉን’ዮም፡ ምኽንያቱ ምስ መርበባት ገበን ናይጀርያ ይተሓሓዙ’ዮም ዝብል ሓፈሳዊ መደምደምታ ስለዘሎ። ብምስግጋር ሓሽሽን ኣልኮላዊ መስተን፡ ብምምዝማዝ ኣመንዝርነትን ምምጻእ HIV Virusን፡ ስርቅን ቅትለትን ብዙሕ ግዜ’ዮም ዝኽሰሱ።

Università el Fateh, Tripoliኣብ ዓመተ 2007፡ ፕሮፈሰር ዓቲር ብዛዕባ ኩነታት ስደት ኣብ ሃገራት ኣዕራብ ሰለስተ ዋዕላታት ኣካይዱ ኔሩ። ኣብ ሊብያ ሓደ ካብቶም ላዕለዎት ክኢላታት’ዩ። ነቶም ኣብ ኤውሮጳ ዝውረዩ ኣሃዛት ከኣ ምሉእ ብምሉእ ክሒድዎም። “ከባቢ ክልተ ሚልዮን ስደተኛታት ኣብ ሊብያ ናብ ኢጣልያ ንምስጋር ይጽበዩ ኣሎዉ? ፍጽም ሓቂ ኣይኮነን”። ብትኽኽል’ውን ዝኾነ ወግዓዊ ጸብጻብ የለን። ናይ ሊብያ ብዝሒ ህዝቢ ሓሙሽተ ሚልዮንን ፈረቃን’ዩ። ወጻአተኛታት ብዝኮነ ይኹን ምኽንያት ካብ ሓደ ሚልዮን ኣይሓልፉን’ዮም፡ እንተላይ ናብ ባሕሪ ክኸዱ ፈጺሞም ሓሲቦም ዘይፈልጡ ኣዕራብ ስደተኛታት። ሊብያ’ውን ትደልዮም’ያ፡ ምኽንያቱ ቁጠባ’ዛ ሃገር ይዓቢ ኣሎ፡ እዛ ሃገር ከኣ ውሑድ ቁጽሪ ህዝቢ ኣሎዋ፡ ከምኡ ጥራይ ዘይኮነ እቶም ዜጋታት ሊብያ ከበድትን ሕሱራትን ስራሕ ክሰርሑ ስለዘይደልዩ። ዓቲር ነቲ ኤውሮጳ ኣብ ልዕሊ ሊብያ ዝገብሮ ጸቕጢ ይፈልጦ’ዩ፡ እንተኮነ ግና ነቲ ምስጋር ስደተኛታት ምዕጋት ፍጽም ከምዘይከኣል’ውን ይፈልጥ ኢዩ።

Pattuglie a Zuwarahሊብያ ከባቢ 1,800ኪ.ሜ. እቲ ዝበዝሐ ሰብ ዘይነብሮ ገማግም ባሕሪ ኣሎዋ። ኮሎነል ካልድ ሙሳ፡ ኣዛዚ ናይቲ ኣብ ዝዋራ ዝመደበሩ ጸረ-ስደተኛታት ዝግበር ሐለዋ ኮይኑ፡ እተን ብኢጣልያ ክወሃባ ዝተባህላ ሽዱሽተ ፈጣናት ናይ ሓለዋ ጀላቡ ነቲ ጸገም ዝፈትሓኦ ኮይኑ ኣይስመዖን። ኣብ ከባቢ ዶብ ቱኒዝያ፡ ራስ ጅድይርን ስብራታን ዘሎ ገማግም ኣብ ምሕላው ግድን ክሕግዛ’የን። እዚ ግን 6% ወይ ከኣ 100ክ.ሜ. ካብ ተቕላላ ገማግም ሊብያ’ዩ። ናይ ምብጋስ መስመር ድማ ናብ ምብራቃዊ ሸነኽ ተቀይሩ’ዩ፡ ኣብ መንጎ ዝለጤንን ኩሙስን ከባቢ 200ኪ.ሜ. ካብ ዝዋራ ምዃኑ’ዩ። ምብጋስ ስደተኛታት ካብ ዝዋራ ካብ 2005 ኣቢሉ ይጅምር። ዝተታሕዙ ስደተኛታት ከኣ ኣብ 2005 ከባቢ 5,963 ዝነበረ ኣብ 2007 ናብ 1,132 ኣንቆንልቁሉ። ሓላፊ ናይ ክፍሊ መርመራን ምጽራይን ሳላ-ኣል- ኣህራሊ፡ ዝተወስዱ ስጉምትታት ነቲ ኣሃዝ ከም ዘጉደልዎ ይዛረብ። ብዙሓት ኣሰጋገርቲ ስለዝተኣስሩ አቲ ምብጋስ ጎዲሉ። እቲ ገማግም ከኣ ወላ ለይቲ ብመካይን ይሕሎ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ 10ኪ.ሜ. ከኣ ናይ ፖሊስ ቴንዳ ኣሎ። ግና እዚ ን50ኪ.ሜ. ማለት ካብ ዶብ ቱኒዝያ፡ ካብ ፋርዋህ ክሳብ ከባቢ መሊታህን ከባቢ እታ ብ ኢጣንያዊ እኒን ሊብያዊ ኩባንያ ዘይትን ዝወነን ፋብሪካ ጋዝ ጥራይ’ዩ ዝዝርጋሕ።

Jehad Nga for The New York Timesእዚሻንብቆታት ካብ መሊታህ ናብ ጀላ ሲሲል ይዝርጋሕ። ግሪን-ስትሪምስ ዝበሃል ኮይኑ ኣብ ከባቢ ሜድትራንያን እቲ ዝነውሐ ትሕተ ባሕሪ ዝከዪድ ሻምቢቆ’ዩ። ዳርጋ ብትኽክል ከኣ ብሓንቲ መንገዲ ምስቶም ብኣሽሓት ናብ ላምፓድፕዛ ዝውሕዙ ስደተኛታት ይኸይድ። ኣብ ጽፍሒ ናይቲ ባሕሪ ኤውሮጳዊ ሕብረት ደቂ-ኣዳም ከይሰጋገሩ ዝከላከሉ ሰራዊተን ኣዋፊረን ኣሎዋ። ልክዕ ኣብ ትሕቲኡ ዝርከብ ጥልቀት ባሕሪ ግና ከባቢ ሸሞንተ ቢልዮን ሜተር ኩብ ጋዝ ኣብ ዓመት በቶም 520ኪ.ሜ. ዝንውሓቶም ሻንብቆታት ኣቢሉ፡ ኣዕጽምቲ ናይ እሽሓት ስደተኛታት ሰንቲቑ ይሳገር። ነዚ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ሞንጎ ትሪፖሊን ሮማን ዝተገብረ ዝምደና ብሓጺር ከጠቃልል ዝኽእል ቃል እምበኣር… “ብዙሕ ዘይቲ፡ ውሑዳት ስደተናታት” ኢዩ ዝብል።