29 July 2010

74 ኤርትራውያን ኣብ መንጎ እቶም ብ ሓደ ሓምለ ናብ ሊብያ ዝተመልሱ 89 ስደተኛታን

“እዚ ቪድዮ እዚ፡ ኤርትራውያን ብ 1 ሓምለ ናብ ሊብያ ቅድሚ ምምላሶም፡ ኣብታ ተሰቂሎምዋ ዝነበሩ ጃልባ ከለዉ ዝተሳእለ ስእሊ ኢዩ”
ትሪፖሊ፡ ሓምለ 6 2009- ኤርትራውያን ተሳፈርቲ ናይታ ጃልባ ብሓምለ ሓደ ናብ ላምፓዶዛ ኢጣልያ ካብ ምእታው ተኸለኪሎም። እዚኦም ስደተኛታት ሕጂ ስግኣት ምጥራዝ ናብ ሃገሮምን መወዳእታ ዘይብሉ እሞ ከኣ ቅድሚ ሕጂ ተዳጉኖምሉ ዝጸንሑ እሱር-ቤት ሊብያ ኣንጸላልይዎም ይርከብ። ሱሳን ሓሙሽተን ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ዝዋራ ክእሰሩ ከለዉ እተን ትሽዓተ ደቂንስትዮ ከኣ ኣብ ዛውያ ምዕራብ ካብ ትሪፖሊ ተኣሲረን ኣለዋ። ምሉእ ዝርዝር ኣሽማትኣብ ትሪፖሊካብ ዝርከቡ ናይ ኤርትራ ሕብረተሰብ በጺሑና፡ እንተኾነ ግና ብርዱእ ናይ ጸጥታ ምኽንያት ኣብዚ ኣይውጻእናዮን። እቶም ዝበዝሑ ካብዚቶም ካብ ውትህድርና ሃዲሞም ዝወጹ ኢዮም፡ ግን ከኣ ኣዝዩ ውሑድ ክፋል ናይቲ ኣስታት 130,000 ዝበጽሕ ቁጽሪ ኤርትራውያን ኣብ ሱዳን። ንዓመታት ዝኣክል ኣወዳትን ኣዋልድን መንእሰያት ዕድሚኦም መምስ-ኣኸለ ናብ ወትህድርና ክስግደዱ ጸኒሖምን፡ ኣብኡ ከኣ ብዘይ ገደብ ክጸንሑ ይግደዱ፡ ክሃድሙ ተተታሒዞም ከኣ ብዘይ ገደብ ይእሰሩ። ጋዜጠኛታት፡ ጸሓፍቲ፡ ፖለቲከኛታትን መራሕቲ ሃይማኖትን’ውን’ተኾነ ዕጫኦም ካብ ዕለተ ናጽነት 1991 ኣትሒዙ ተማሳሳሊ ኮይኑ’ዩ ጸኒሑ፡ ምኽንያቱ እታ ሃገር ምስ ግዜ ውልቀ-መላኽነት አናወረሳ ስለዝመጸ። ኢጣልያ ንጉዳይ ኤርትራውያን ካብ ዝርደኣኦ ሃገራት ኢያ፡ ከሙ ስለዝኾነት’ያ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ሲሲሊ ክበጽሑ ዝከኣሉ ከባቢ 2,739 ኤርትራውያን መንበሪ ፍቃድ ዝሃበት፡ እዚ ከኣ ብመሰረት ናይ ዓለምለኻዊ ግዴታ ኣብ ጉዳይ ናይ ፖለቲካ ስደተኛታት ኢዩ ተዋሂቡ። ግን ሕጂ እቲ ግዜ ተለዊጡ ኢዩ። ካብ ባሕሪ ንድሕሪት ምምላስ ኢዩ ኮይኑ ዘሎ እቲ ነገር። እቶም ናብ ሊብያ እንተተጠሪዞም ኣብ ሓደጋ ክኣትዉ ዝኾኑ ሰባት ጉዳዮም ብዙሕ ዘገድስ ነገር ይመስል የለን።